Top Banner
መበል 25 ዓመት ቁ.47 ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 7 ገጽ 6 ሕልሚ ተጋሂዱ! “ጥልመት ኣፍቃሪተይ ነበር ምጻር ስኢነዮ” ፈቲሐካ ጋዜጣዊ መግለጺ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰዶ ስጒምቲ፡ ንሕጋዊ ስልጣኑ ዘማህምን’ዩ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2009ን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011ን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝበየኖም ምኽኑይ ባይታ ዘይብሎም ዘይሕጋውያንን ዘይፍትሓውያንን እገዳታት፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሉ ብ23 ጥቅምቲ ውሳኔ ምሕላፉ፡ ዘሕዝን’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኤርትራ፡ ንኣልሸባብ ንምሕጋዝ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማል ከምዝለኣኸት ብሓሶት ተኸሲሳ። እዚ ጭብጢ ዘይተረኽቦ ናይ ሓሶት ክሲ፡ ኣብ 2011 እውን ተደጊሙ። ሓደ ወርሒ ቅድሚ ኣብቲ ዓመት’ቲ ዝሓለፈ ብይን እገዳ ቊጽሪ 2023፡ ኤርትራ ብመገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ባይዶዋ ሰለስተ ጽዕነት ነፈርቲ ኣጽዋር ናብ ኣልሸባብ ከምዝለኣኸት ብሓሶት ተኸሲሳ። እዚ ክስታት’ዚ፡ ውጹእ ሓሶት’ዩ። እንተኾነ ግን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይፍትሓዊ እገዳታት ክብየን ዘንቀዱ ተጻባእቲ ባእታታት፡ ከም ምኽንያት ኣገልጊሉ’ዩ። ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት፡ ኩለን ኣባላት ባይቶ ጸጥታን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምሉኡን፡ እቶም ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረቡ ክስታትን ናይ ሓሶት ምስክራትን ንገለ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ከገልግሉ ዝተማህዙን ዝተፈብረኹን ምዃኖም፡ ኣጸቢቖም ተገንዚቦም ኣለዉ። ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት - ልክዕ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ “ተቘጻጻሪ ጉጅለ” (monitoring group) ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምእትሕግዝ ዝእምት ቅንጣብ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ኣስሚሩሉ’ሎ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኩነታት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ውዱቕ ብምግባር፡ ብሰንኩ ንዝጸንዐ እገዳ ከልዕል ምተገብአ - ብቐዳማይ ደረጃ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኩነታት ንቡር ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ክንዲ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ስጒምቲታት ብምንጻግ ንኤርትራ ዝኽሕስ፡ ኣንጻር ዕቃበታትን ተቓውሞን ሓያሎ ካብ ኣባላቱ፡ ብጸቕጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፍሉጣት መሻርኽታን፡ ነቲ ግጉይን ዘይፍትሓውን ብይን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሎ ተገዲዱ’ሎ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ’ዚ ንኤርትራ ግዳይ ዘይፍትሓዊ ስጒምቲ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ሓደ ጒሉሕ ሓቂ’ሎ። ኢትዮጵያ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብንዕቀት ብምጥሓስ፡ ባድመ እትርከቦ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብወራር ጐቢጣ ትርከብ። ተግባራት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋሕሰ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብቕሉዕ ዝጥሕስ’ዩ። ግደ ሓቂ፡ እዚ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕጋዊ ስልጣኑን ዘዋርድ’ዩ። ባይቶ ጸጥታ፡ ብመሰረት ዓንቀጻት 39 - 41 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግባእ ስጒምቲ ክወስድ ስልጣን ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ ኢትዮጵያ ጽላልን ጸግዒን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስለዘለዋ፡ ነቲ ስጒምቲ ክወስድ ኣይተብዐን። ብኣንጻሩ፡ ንድሌታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምስሳዩ፡ ባይቶ ጸጥታ ንሕጋዊ ሓላፍነቱን ስልጣኑን ኣማህሚኑ’ሎ። ኤርትራን እቲ ዞባን ንሓጺር እዋን ግዳይ ሳዕቤናት ናይ’ዚ ዘይሓላፍነታዊ ስጒምቲ ሕቡራት ሃገራት ክኾኑ’ዮም። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን ሕጋዊ ስልጣን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምውሓስ ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋእን’ዮም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣስመራ 23 ጥቅምቲ 2015 ዓበይቲ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምክያድን ትግባረ መምርሒታትን ሕጋጋትን ኣብ ባይታ ንምርግጋጽን፡ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግባእ፡ ኣመሓደሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣዘኻኺሩ። ኣቶ ፍስሃየ ነዚ ዝሓበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ውሽጢ ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን ጉጅለታት ህዝብን ዝተኻየዱ ውድባውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ንምግምጋም፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምግታእ ብርሰት ኣግራብ፡ ምቊጽጻር ዘይሕጋዊ ምህናጽ ኣባይ፡ ምጥርናፍ ደምበታትን ቊሸታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ዘዘኻኸረ ኣቶ ፍስሃየ፡ ጉዳያት ህዝቢ ብግቡእ ተሰሚዑ ቅልጡፍ መልሲ ምሃብ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ግቡእ ኣገልግሎት ንኽህባ ምክትታል ምግባር፡ ገምጋም ምርጫ ምምሕዳራት ከባቢ ምክያድ፡ ሕጽረት ማይ ምፍታሕን ዝተበላሸዉ ጽርግያታት ምጽጋንን፡ ዞባ ቀዳምነታት ሂቡ ካብ ዝነጥፈሎም ምዃኖም ኣነጺሩ። “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ክካየድ ይግባእ” ኣማሓደሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ስ/ኣካል መብራህቱ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ኣቶ ተወልደ ወልዳይ ብወገኑ፡ ውዳቤታት ግንባርን ትካላት መንግስትን ብሓባር ንምስራሕ ዝተገብረ ለውጢ ኣብ ባይታ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዝሕንጸጹ መደባት ብዝተወጠንዎ ትግባረኦም ንምርግጋጽ፡ ዝተወሃሃደ ንጥፈት ከምዘድሊ ኣገንዚቡ። ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ክእረሙ ዝግብኦም ጉድለታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ብምርኣይ፡ ንቐጻሊ ኣተኲሮ ክወሃቦም ኣብ ዝበልዎም ጉዳያት፡ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣፍሲሶም። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ቐጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም፡ ምስ ሚኒስተር ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ልምድን ቐጠር፡ ዶክተር ሓመድ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል-ከዋሪ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ። ኣብ’ቲ ብ20 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ሓመድ ቢን ዓብደልዓዚዝ፡ ኣምባሳደር ዓሊ ኢብራሂም ምስ ሚኒስተር ባህሊ፡ ስነ- ጥበብን ልምድን ቐጠር ርክብ ኣካዪዱ ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ዕግበት ብምግላጽ፡ ነዚ ምርኲስ ብምግባር ኣብ መዳያት ባህልን ስነ-ጥበብን ዘሎ ዝምድና ንምዕዛዝ ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ። ሚኒስተር ሓመድ ኣስዒቡ፡ ኣብ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ መዳያትን ዝህሉ ረብሓታት ንምምዝማዝ፡ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪኡን ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ዘሎ ርክባት ንምድንፋዕ ከምዝሰርሕ ገሊጹ። ምብዛሕ ዘርኢ ዓተር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2015
12

“መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

Mar 29, 2021

Download

Documents

dariahiddleston
Welcome message from author
This document is posted to help you gain knowledge. Please leave a comment to let me know what you think about it! Share it to your friends and learn new things together.
Transcript
Page 1: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

መበል 25 ዓመት ቁ.47 ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 7ገጽ 6

ሕልሚ ተጋሂዱ!“ጥልመት ኣፍቃሪተይ ነበር ምጻር ስኢነዮ”

ፈቲሐካ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰዶ ስጒምቲ፡ ንሕጋዊ ስልጣኑ

ዘማህምን’ዩ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2009ን

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011ን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝበየኖም ምኽኑይ ባይታ ዘይብሎም ዘይሕጋውያንን ዘይፍትሓውያንን እገዳታት፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሉ ብ23 ጥቅምቲ ውሳኔ ምሕላፉ፡ ዘሕዝን’ዩ።ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኤርትራ፡ ንኣልሸባብ ንምሕጋዝ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማል

ከምዝለኣኸት ብሓሶት ተኸሲሳ። እዚ ጭብጢ ዘይተረኽቦ ናይ ሓሶት ክሲ፡ ኣብ 2011 እውን ተደጊሙ። ሓደ ወርሒ ቅድሚ ኣብቲ ዓመት’ቲ ዝሓለፈ ብይን እገዳ ቊጽሪ 2023፡ ኤርትራ ብመገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ባይዶዋ ሰለስተ ጽዕነት ነፈርቲ ኣጽዋር ናብ ኣልሸባብ ከምዝለኣኸት ብሓሶት ተኸሲሳ።እዚ ክስታት’ዚ፡ ውጹእ ሓሶት’ዩ። እንተኾነ ግን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

ዘይፍትሓዊ እገዳታት ክብየን ዘንቀዱ ተጻባእቲ ባእታታት፡ ከም ምኽንያት ኣገልጊሉ’ዩ።ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት፡ ኩለን ኣባላት ባይቶ ጸጥታን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

ብምሉኡን፡ እቶም ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረቡ ክስታትን ናይ ሓሶት ምስክራትን ንገለ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ከገልግሉ ዝተማህዙን ዝተፈብረኹን ምዃኖም፡ ኣጸቢቖም ተገንዚቦም ኣለዉ። ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት - ልክዕ

ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ “ተቘጻጻሪ ጉጅለ” (monitoring group) ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምእትሕግዝ ዝእምት ቅንጣብ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ኣስሚሩሉ’ሎ።ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኩነታት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት

ሃገራት ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ውዱቕ ብምግባር፡ ብሰንኩ ንዝጸንዐ እገዳ ከልዕል ምተገብአ - ብቐዳማይ ደረጃ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኩነታት ንቡር ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ክንዲ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ስጒምቲታት ብምንጻግ ንኤርትራ ዝኽሕስ፡ ኣንጻር ዕቃበታትን ተቓውሞን ሓያሎ ካብ ኣባላቱ፡ ብጸቕጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፍሉጣት መሻርኽታን፡ ነቲ ግጉይን ዘይፍትሓውን ብይን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሎ ተገዲዱ’ሎ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ’ዚ ንኤርትራ ግዳይ ዘይፍትሓዊ ስጒምቲ

ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ሓደ ጒሉሕ ሓቂ’ሎ። ኢትዮጵያ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብንዕቀት ብምጥሓስ፡ ባድመ እትርከቦ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብወራር ጐቢጣ ትርከብ። ተግባራት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋሕሰ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብቕሉዕ ዝጥሕስ’ዩ። ግደ ሓቂ፡ እዚ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕጋዊ ስልጣኑን ዘዋርድ’ዩ።ባይቶ ጸጥታ፡ ብመሰረት ዓንቀጻት 39 - 41 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ

ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግባእ ስጒምቲ ክወስድ ስልጣን ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ ኢትዮጵያ ጽላልን ጸግዒን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስለዘለዋ፡ ነቲ ስጒምቲ ክወስድ ኣይተብዐን። ብኣንጻሩ፡ ንድሌታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምስሳዩ፡ ባይቶ ጸጥታ ንሕጋዊ ሓላፍነቱን ስልጣኑን ኣማህሚኑ’ሎ። ኤርትራን እቲ ዞባን ንሓጺር እዋን ግዳይ ሳዕቤናት ናይ’ዚ ዘይሓላፍነታዊ ስጒምቲ ሕቡራት ሃገራት ክኾኑ’ዮም። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን ሕጋዊ ስልጣን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምውሓስ ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋእን’ዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣስመራ 23 ጥቅምቲ 2015

ዓበይቲ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምክያድን ትግባረ መምርሒታትን ሕጋጋትን ኣብ ባይታ ንምርግጋጽን፡ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግባእ፡ ኣመሓደሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣዘኻኺሩ።ኣቶ ፍስሃየ ነዚ ዝሓበረ፡ ኣብ

ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ውሽጢ ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን ጉጅለታት ህዝብን ዝተኻየዱ ውድባውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ንምግምጋም፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ምዕቃብ ማይን

ሓመድን፡ ምግታእ ብርሰት ኣግራብ፡ ምቊጽጻር ዘይሕጋዊ ምህናጽ ኣባይ፡ ምጥርናፍ ደምበታትን ቊሸታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ዘዘኻኸረ ኣቶ ፍስሃየ፡ ጉዳያት ህዝቢ ብግቡእ ተሰሚዑ ቅልጡፍ መልሲ ምሃብ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ግቡእ ኣገልግሎት ንኽህባ ምክትታል ምግባር፡ ገምጋም ምርጫ ምምሕዳራት ከባቢ ምክያድ፡ ሕጽረት ማይ ምፍታሕን ዝተበላሸዉ ጽርግያታት ምጽጋንን፡ ዞባ ቀዳምነታት ሂቡ ካብ ዝነጥፈሎም ምዃኖም ኣነጺሩ።

“መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ክካየድ ይግባእ” ኣማሓደሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ

ስ/ኣካል መብራህቱ

ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ኣቶ ተወልደ ወልዳይ ብወገኑ፡ ውዳቤታት ግንባርን ትካላት መንግስትን ብሓባር ንምስራሕ ዝተገብረ ለውጢ ኣብ ባይታ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዝሕንጸጹ መደባት ብዝተወጠንዎ ትግባረኦም ንምርግጋጽ፡ ዝተወሃሃደ ንጥፈት ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት

ድሕሪ ምምይያጥ፡ ክእረሙ ዝግብኦም ጉድለታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ብምርኣይ፡ ንቐጻሊ ኣተኲሮ ክወሃቦም ኣብ ዝበልዎም ጉዳያት፡ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣፍሲሶም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ቐጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም፡ ምስ ሚኒስተር ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ልምድን ቐጠር፡ ዶክተር ሓመድ ቢን

ዓብደልዓዚዝ ኣል-ከዋሪ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ።ኣብ’ቲ ብ20 ጥቅምቲ

ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ሓመድ ቢን ዓብደልዓዚዝ፡

ኣምባሳደር ዓሊ ኢብራሂም ምስ ሚኒስተር ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ልምድን ቐጠር ርክብ ኣካዪዱ

ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ዕግበት ብምግላጽ፡ ነዚ ምርኲስ ብምግባር ኣብ መዳያት ባህልን ስነ-ጥበብን ዘሎ ዝምድና ንምዕዛዝ ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።ሚኒስተር ሓመድ ኣስዒቡ፡

ኣብ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ መዳያትን ዝህሉ ረብሓታት ንምምዝማዝ፡ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪኡን ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ዘሎ ርክባት ንምድንፋዕ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ምብዛሕ ዘርኢ ዓተር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል

2015

Page 2: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ኣስቴር ካሕሳይሰላም ክፍለማርያም

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ለይ-ኣውት

ሰዓት መደብ 12፡00 Doc / film12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ኣብዚ ሰሙን’ዚ13፡30 ዜና ዓረብ 13፡45 ቀንደል14፡20 ፓኖራማ14፡55 HAPPY FAMILY E-1715፡40 sport highlights16፡20 ዘተ ስፖርት17፡05 IN FOCUS17፡20 TRANSIT 17፡50 ዋልታ18፡30 መደብ ዋሪ19፡00 ዜና ትግረ19፡20 HAPPY FAMILY E-1820፡00 ዜና ዓረብ20፡25 ኣልመጀላ21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 ማእገር22፡15 ዜና እንግሊዝ22፡30 NEWS HIGHLIGHTS22፡55 FILM

ሎሚ ኣብ ERI-TV

ሰንበት 25/10/2015ሰዓት መደብ

09፡00 መደብ ዋሪ09፡30 መደብ ካርቱን09፡55 ሄሎ ደባይዋ11፡35 ፓኖራማ12፡15 ዶክተራት ብቐጥታ13፡30 መኣዲ ስነ ጥበብ14፡05 ሞዛይክ16፡25 ኣብዚ ሰሙን’ዚ17፡10 መደብ ህርመት19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ፊልም ዓረብ20፡00 ዜና ዓረብ20፡20 ብጋህዲ21፡00 ዜና ትግርኛ21፡30 መደብ ድባብ ብቐጥታ22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡45 መርሓባ23፡20 film

ሰኑይ 26/10/2015

ሰዓት መደብ

09፡00 ካርቱን

09፡30 ምኽሪ ሞያውያን

11፡20 ፊልም ብዓረብ

11፡45 ዘተ ስፖርት

11:00 HOT TRACKS

12:30 ዜና ትግርኛ

12:50 መኣዲ ስነጥበብ

13:30 ዜና ዓረብ

13:45 ዕላል ጥበባት

14:25 ናትራን

16:30 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ

17:45 ሽካቡር

18:20 ማእገር

19:00 ዜና ትግረ

19:15 ዳረት ቃና

20:00 ዜና ዓረብ

20:25 ቀንደል

21:00 ዜና ትግርኛ

21:25 ዋልታ

22:15 ዜና እንግሊዝ

22:30 IN FOCUS

23:00 FILM

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ተርእዮ ተመሓለለፍቲ ሕማማት ብፍላይ ድማ ሕማም ነፍሪን ዓሶን ንምግታእ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ክዓቢ ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻርን ምክትታልን ተመሓለፍቲ ሕማማት ኣቶ ላይነ ዑቕባዝጊ ኣዘኻኺሩ።ብ18 ጥቅምቲ ኣብ ሓውሲ

ከተማ ማይ-ምነ ኣብ ዝተኻየደ ኣስተምህሮኣዊ ጎስጓስ፡ ኣቶ ላይነ፡ እቲ ንኡስ ዞባ ከም ነፍሪ ዝኣመሰሉ ቅልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎም ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብተደጋጋሚ ዝረኣየሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሰብ ጥሪት፡ ጥዕና ጥሪቶም ብዝግባእ ክከታተሉን ከኽትቡን፡ ተርእዮ ናይ’ቲ ሕማም ምስ ዝኽሰት ድማ፡ ንዝሓመማ ጥሪቶም ብምቅጻል ኣብ ጎዳጒዲ ክቐብሩ ኣተሓሳሲቡ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ክታበት

እንስሳ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ጥሪትን ሰብን መሰረታዊ ስለ ዝኾነ ብስሩዕ ክካየድ፡ ኣብ ሕክምና እንስሳ

ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት መድሃኒት ፍታሕ ክናደየሉ፡ ህዝቢ ኣፍልጦኡ ዓብዩ ኣብ ምግታእ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምእንቲ ክነጥፍ፡ መጓሳጓሲ ጽሑፋትን ስእልታትን ክዳሎ ብሰፊሑ ዘትዮም።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ

ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት

ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ምክልኻል ሕማማት ንሚኒስትሪ ጥዕና ጥራይ ዝግፍርግ ዕማም ከምዘይኮነ ተገንዚቦም፡ ኣብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ማይ-ምነ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ዝካየድ ጻዕሪ ክቕጽል መዘኻኸሪ ቀሪቡ

ስ/ ፊልሞን ትካቦ

ኣገደስቲ ቴሌፎናት

ሆስፒታል ሓሊበት 18 54 00

ሆስፒታል ኦሮታ 20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ 12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክ ሲቲ 12 22 22

ፋርማችያ ቁ. 1 127585መጥፋእቲ ሓዊ 202099

ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ቡያን ዳንደሮን - ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ገበናት ንምግታእ ምስ ፖሊስ ዝገብርዎ ምትሕብባር ክብ ንምባል፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያትን ተመሃሮን ዝቐንዐ ኣማእዛኒ ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ክዛይድ ጸዊዖም። ንሳቶም ምስ ኣዛዚ መደበር

ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ተለንተ ዛይድ ተስፋዝጊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ክብርታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡

ንኹሉ ዓይነት ገበናት ስለ ዝጻረር ፈጸምቲ ገበን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክኽወሉ ከምዘይክእሉ ብምጥቃስ፡ ንገበን ዝዕድም ተርእዮታት ክኣልዩን ክቃለሱን ምዃኖም ኣረጋጊጾም።“ሓያል ህዝቢ ሓያል ፖሊስ

ይወልድ” ድሕሪ ምባል ተለንተ ዛይድ፡ ህዝቢ ንብረቱ ንምሕላው፡ ካብ ንስርቂ ዝዕድም ሸለልትነት ክጥንቀቕን፡ ኣብ መንጐኡ ንዝኽሰት ዘይምርድዳኣት ብዕርቂ ክፈትሕን ኣተሓሳሲቡ።

ገልዓሎ፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ክዛይድ ነበርቲ ጸዊዖም

Page 3: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 3

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻን መግብን

ምብዛሕ ዘርኢ ዓተርኣብ ሃገርና ናይ ቀዳምነት

ቀዳምነታት ዝስርዑ ዘራእቲ ከም።- ዕፉን። መሸላ። ብልቱግ። ስርናይ። ስገም። ዓተር። ብርስን። ፉልን ስምስምን እዮም፣ እዚኣቶም ንውሕስነት መግቢ ዓቢ እጃም ዘበርከቱ። ንፋብሪካታት ከም ጥረ-ነገር ዘገልግሉ ከምኡ'ውን ብመልክዕ ሰደድ ዘይንዓቕ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘምጽኡ እዮም፣

ይኹን'ምበር ኣብ እዋን ክረምቲ እኹል ዓቐን ዝናብ ብምዕሩይ ዝርጋሐ። እቲ ዝድለ መኻዕበቲ እቶት። እኹል ምድላው መሬትን ክንክንን ስለ ዘይረኸቡ። እቶትን እቶታውነትን ዘራእቲ ኣብ ትሑት ደረጃ ክጸንሕ ኣገዲዱ እዩ፣

ስለዚ ብመስኖ/ ደገፍ-መስኖ ምዝርጋሕ ወይ ናይ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ስራሓት ብምክያድ። ምሩጽ ዘርኢ ብምጥቃም። ብባህርያዊ ወይ ዘመናዊ ድዅዒ መሬት ብምድኳዕ። ኣብ ወቕቱ ብምዝራእን። ብምክልኻል ጻህያይ። ባልዓትን ሕማማትን። ብሓፈሻኡ ብምዕሩይ ምሕደራ ሕርሻ እቶታውነት ዓተር ምኽዕባት ኣገዳሲ ይኸውን፣

መበቆል ዓተር

መበቆል ዓተር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እስያ ከም ዝኾነ ይፍለጥ፣ ካብዚ ተበጊሱ ኸኣ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ተዘርጊሑ። ኣብ ዓለም ፍርያት ዓተር ድሕሪ ሶያ-ቢን ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ፣ ህንዲ። ፓኪስታን። ቱርኪ። ኢራን። መክሲኮ። ሚያንማር። ኣውስትራልያ። ኢትዮጵያ። ካናዳን ሶርያን ብቕድም ተኸተል ቀንዲ ኣፍረይቱ እየን፣

ኣብ ሃገርና። ዓተር ካብቶም ልዑል ትሕዝቶ ፕሮቲን ዘሎዎም ጥረታት ሓደ እዩ፣ ንወዲ-ሰብን ጥሪትን ከም መግቢ ከምኡ’ውን ንመቀያየሪ ዘራእቲ ብቐዳማይ ደረጃ ይስራዕ፣

ኣብ ኤርትራ። ዓተር ኣብ ከበሳታት ደቡብን ማእከልን ብሰፊሑ ዝበቍል ጥረ እዩ፣ ካብ ክረምቲ ናብ ክረምቲ ዝፈላለ'ኳ እንተኾነ። ኣብ ዓመት ክሳዕ 30,000 ሄክታር ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ይዝራእ፣ እቶታውነቱ ምስ ዝርአ

ድማ ብትሑት ደረጃ ካብ 4 ክሳዕ 6 ኩንታል ኣብ ሄክታር እዩ፣

ዕላማ ምብዛሕ ዓተር

• ዝኣክል ምሩጽ ዘርኢ ዓተር ንምፍራይ።

• ካብ ወጻኢ ሃገር ንዝኣቱ ዘርኢ ንምትካእ።

• ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምቑጣብ።• ተረፍ-እቶት ዓተር ንመግቢ

እንስሳ ብምውዓል። እቶት ጸባን ስጋን ምኽዕባት።

• ዓተር ምስ ኣእካል ብምቅይያር ቀጻልነት ዘሎዎ ውሑስ እቶት ንምርካብ፣

ዝሰማምዖ ኣከባቢ

ዓተር። ልዑል ዋዒ ወይ ራህዲ ዘሎዎ ክሊማ ኣይሰማምዖን እዩ፣ ዝሑል። ራህዲ ዘይበዝሖ ግን ከኣ ካብ ኣስሓይታ ናጻ ዝኾነ ወቕቲ ይሰማምዖ እዩ፣ ንዓተር ዘድልዮ ብራኸ ካብ 1500-2300 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይምረጽ፣ ንዓተር ዘድልዮ ሙቐት ከኣ ካብ 15-27 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ እዩ፣

እኹል ጽንፋፈ ማይ ዘሎዎ ካብ ከቢድ ዋላኻ ክሳብ ዱኻ። ሓውሲ ዱኻን ሑጻን ዓይነት ሓመድ

ይፈሪ፣ ዓተር ንደርቂ ዝጻወርን ተረፍ ጠሊ ተጠቒሙ ዝፈሪን ጥረ እዩ፣ ዝሑልን ደረቕ ክሊማን ኸኣ ይሰማምዖ፣ ዝናብ ብማእከላይ ደረጃ ምስ ምዕሩይ ዝርጋሐ ክሳብ 400 ሚሊ ሜተር የድልዮ፣

ንምብዛሕ ዝምረጽ ዘርኢ ዓተር

* ልዑል እቶት ዘሎዎ።* ቀልጢፉ ዝበጽሕን ዝኣቱን።* ሕማምን ባልዕን ዝጻወር።* ኣብ ዕዳጋ ተቐባልነት ዘሎዎ

ዓይነት ዓተር ክምረጽ ይግባእ፣

ኣገባብ ማሕረስ (ምድላው ግራት)

ዓተር ዝባዝሓሉ ግራት። ብእዋኑ ኣጸቢቑ ክሕረስን ክልስልስን ይግባእ፣ ማይ ንምዕቃብ ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ግዜ ኣወሺጥካ ምሕራስ የድሊ፣ ብናይ ሕርሻ ወቕቲ ሰሌዳ ከምቲ ከባቢኡ ተኸቲልካ ይዝራእ፣ ሓርፋፍ ምስባር ድንኩል ምክያድ ድማ የድልዮ፣

ኣዘራርኣ ምብዛሕ ዘርኢ

ከም ኩነታት ዝናብ ካብ ክፍላ-ነሓሰ ክሳዕ መጀመርታ መስከረም ይዝራእ፣ ዓተር ብመስመር ክዝራእ ይምረጽ፣ 25-40 ሰንቲ ሜተር ኣብ መንጎ ነግሒን። 15-30 ሰንቲ ሜተር ኣብ መንጎ ዘርኢን ከኣ ይምረጽ፣ ብጸረ-ባልዕ ዝተሰመመ 300 ግራም ኣልድሪን/ቲራም ንኹንታል። ካብ 60-80 ኪሎ ግራም ኣብ ሄክታር ከኣ ይዝራእ፣

ምጥቃም ዱኽዒ

ዓተር ንባህርያዊ ቀመማዊ ድዅዒ ጽቡቕ ተቐባልነት ወይ ግብረ-መልሲ ይህብ፣ ዓቐን ድዅዒ ከም ኩነታት ፍርያምነትን ትሕዝቶን ዓይነት ሓመድ ክፈላለ ይኽእል፣ ዩርያ ንመበገሲ 15-25 ኪሎ ግራም ኣብ ሓደ ሄክታር ምብዛሕ ዘርኢ ዓተር ከድሊ እንከሎ። ዳፕ ድማ 40-50 ኪሎ ግራም ኣብ ሓደ ሄክታር ምጥቃም የድሊ፣ ሕጽረት ፖታሽዩም ኣብ ዘለወሉ እዋን ድማ። 20-30 ኪሎ ግራም ኣብ ሄክታር ኣብ እዋን ዘርኢ ምጥቃም የድሊ፣

ምክልኻል ጻህያይ

ዓተር ምስ በቘለ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ብኢድ ቀልጢፍካ ምጽሃይ ይደሊ፣ ምስ ማዕበለ ግን በቲ ካብ ኣቝጽልቲ ዘመንጭዎ ጨው። ጻህያይ ናይ ምቍጽጻር ክእለት ኣሎዎ፣

ምቍጽጻር ባልዓትን ሕማማትን

ዓተር ብብዙሓት ናይ ቈጽልን ሱርን ባልዓትን ሕማማትን ስለ ዝጥቃዕ። ውሁድ ምሕደራ ሜላ ተጠቒምካ ምቍጽጻሩ ዝበለጸ ኣማራጺ እዩ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ነቲ ሕማም/ ባልዕ ኣለሊኻ ጸረ-ባልዕ ምንጻግ የድሊ፣ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ ከምቲ ዓይነት ባልዕ ክፈላለ ስለዝኽእል ንወኪል ሕርሻ ተወከስ፣

ኣጠቓቕማ ተወሳኺ ማይ

ዓተር ብተፈጥሮ ብተረፈ-ጠሊ ዝዝራእ ይኹን’ምበር ንዝለዓለ እቶታውነት። ግቡእ ምድላው መሬት። ምዕቃብ ሓመድ ማይን ከምኡ’ውን እንተትኻኢሉ ኣብ እዋን ሎቖታ ምሓዝ ካብ 1-2 ተወሳኺ መስኖ ማይ ይደሊ እዩ፣

ዓጺድን መኼዳንዓተር። ካብ 150-120 ወይ

ዝወሓደ መዓልቲ ንፍረ ስለ ዝበቅዕ። ጠሊ ክሳብ ናብ 10 ሚእታዊት ዝወርድ ኣብ ግራት ክጸንሕ ኣለዎ፣ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ጠሊ እናሃለወ። ንምዕጻድ ምስ ዘገድድ

ግን ኣብ ዓውዲ/ዳንዳ ክነቅጽ ይግባእ፣ መኼዳ ዓተር ብበትሪ። ብኣብዑር ወይ ድማ ብትራክተር ከም ብዝሑ ይፍጸም፣

ምኽዛን ምህርቲ ዓተርብግቡእ ዝተኼደን ዝተጻረየን

ዘርኢ ዓተር። ጽሬቱ ኣብ ዝተሓለወ ካብ ባልዓትን ሕማማትን ናጻ ዝኾነ ከም ቆፎ። ካሻ። ወይ ከኣ መኻዚኖ ክዕቀብ ይግባእ፣ እቲ ዝኽዘን ዘርኢ ካብ 10 ሚእታዊት ጠሊ ንላዕሊ ንኸይህልዎ ክነቅጽ ይግባእ፣ ጥረታት ንባልዓትን ሕማማትን ተኣፈፍቲ ስለዝኾኑ። ኣብ ዝሑልን ንፋስ ዝኣትዎን ቦታ ክኽዘኑ ይግባእ፣ ኣብቲ መኽዘን ቅድሚ ዘርኢ ምእታዉ። ብጸረ-ባልዕ መድሃኒት ክዕጠን የድሊ፣ ድሕሪ ምኽዛኑ ድማ እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ እቲ ዘርኢ ንፋስ ከም ዝረክብ ምግባር የድሊ፣

እቶታውነት ዓተር

ብኽረምቲ ዝለምዕ ዓተር ካብ 6-10 ኩንታል ኣብ ሄክታር። ብመስኖ ድማ ካብ 15-20 ኩንታል ኣብ ሄክታር ዝውቱር እዩ፣ ክሳዕ 30 ኩንታል ኣብ ሄክታር ንምርካብ ግን ምቹእ ኩነታት ክሊማ። ሓመድን ጽፉፍ ምሕደራን የድሊ፣

ምቅይያር ዘራእቲ

ዓተር። ዕፉንን መሸላን ተኸቲሉ ይዝራእ፣ ብድሕሪኡ ድማ ጣፍ። ስገም። ስርናይ ዝኣመሰሉ ኣእካል ይዝርኡ፣

ምንጪ።- ሰነዳት ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን - ሚ/ሕርሻ

መግቢ

ዘድልዩ ጥረ ነገራት

- ቈጽሊ ምቁር ድንሽ - ሽጉርቲ- ኮመደረ- ዘይቲ

- ጻዕዳ ሽጉርቲ- ጉዕ በርበረ

- ኣዝማሪኖ/ ፐርሰሜሎ

ኣገባብ ኣሰራርሓ።-

ልምሉም ቈጽሊ ምቁር ድንሽ ብልቡጥ ማይ ተሓጺቡ ይዳሎ፣ እቲ ቈጽሊ ምቁር ድንሽ። ሽጉርቲን ኮመደረን ብደቂቕ ይምተሩ፣ ብሓንሳብ ተሓዋዊሶም ድማ ብዘይቲ ይቕለዉ፣ ምስ በሰለ። ጨው። ጻዕዳ ሽጉርቲ። ኣዝማሪኖ/ ፐርሰሜሎ ከም ኣድላይነቱ ይኣትዎ፤ ኣብ ጽሩይ መትሓዚ ተቐሚጡ ድማ ንመግቢ ይቕረብ፣

ምድላው ሓምሊ ምቁር ድንሽ

Page 4: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 4

***

***

Page 5: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 5

እንታይ ትመኽሩኒ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ናይ ኤF Aም ሕቶ ምስ ኣንበብኩ ንዓባይ ሓፍተይ ሓቲተያ። ኣደይ ኣየድገመትንን’ውን። “ይመርዓዋ፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ ድዩ!” በለትኒ። ምሒር ስለ ዝተቘጣዕኩ፡ ምስ ዓባይ ሓፍተይ ገንጨርጨር ጀሚረ። ትዝርብ ውዒልና ዘፍ ምስ በልና፡ “እንታይከ ገደሰና!” በለትኒ። “ዓሽ. . . ንሳ’የ ደልየ፡ ነዚ ጉዳይ ማዕረ ክንደይ ኣቃሊልኪዮ ከም ዘለኺ ህያው ምስክር እዩ” ኢለያ። ክቡር ጀማሪ ድማ ነቲ ነገር ኣቃሊሉ

ከም ዝረኣዮ’ዩ በሪሁለይ። እንተ ኣስተውዒልካ፡ ሓሙኻ ምስ ኣደኻ ንቡር ዝፈተነ’ዩ። ሓማትካ እውን መሓዛ ኣደኻ ዝነበረት እያ። እሞ እቲ ኣብ ኣደኻ ዘይሃስስ ስምብራት ዝገደፈ ስድራ ኣፍቃሪትካ፡ ኣብ ኣደኻ ከመይ ዝበለ በሰላ ከምዝሓድግ ትዝንግዖ ኣይመስለኒን። ነቲ ዘሎ ቅርሕንቲ ተኹትኮ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ። እንታይ ደኣ ተረዳኣዮ። ካብ ገዛኻ

ንጓል ሰብኣይ ኣደይ ነበር ክምርዖ እኽእልዶ?

ሓገዝ ምስ ዘድልየካ፡ ኣደኻ እንታይ ኢላ ትምልሰልካ ትኸውን? ‘ንጓል መን ክሕግዝ’ ለባም ልቢ እንተ ኣዕብያ ድማ ‘ዓቕሚ የብለይን ‘ዝወደይ’ እያ ክትብለካ። ኣይትዓሹ!! ‘ሓገዝ ስድራይ ኣየድልየንን’ዩ፡ ይመርዓዋ ጥራይ እምበር ሓገዞም ይትረፈኒ’ ኣይትበል። ዳስካ፡ ብፍሽኽታን ምትሕቑቛፍን ክንዲ ዝመልእ ዝእሰር ገጽን ዝንከስ ስኒን ከይከውን። ንቕርሕንቲ ዝኸውን ፈውሲ የለን።

ብይቕረ ግን ክድቅስ ይኽእል’ዩ። ምስ’ዛ ጓል እንተ ተፈላሊኻ 90% ካብ ብስጭትካ ክቃለለካ እዩ። 10% ከኣ ክትቅንዞ ኢኻ። ወላ’ውን ክሳብ ጽላለ ከተብጽሓካ ትኽእል ትኸውን ግን ክትሰግሮ ጥራይ እዩ ዘለካ። ስለ’ዚ ነታ ጓል ኣሕዋት ከም ዝዀንኩም ንገራ’ሞ ብሰናይ ተፈላለዩ። ኣባኻ ዘለዋ እምነት ክብረ-ንጽህናኣ ብምሃብ መስኪራትልካ

ወዲ 28 ዓመት ሰራሕተኛ መንግስቲ እየ። ካብ ግዜ ንእስነተይ ምሳይ መጀመርታ ብሕውነት፡ ደሓር ከኣ ብፍቕሪ ን18 ዓመት ዝጸንሐት ኣፍቃሪተይ ነይራትኒ። ኣፍቃሪተይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ስድራኣ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዳ። ከም ዘይትጠልመንን ንዘልኣለም ምሳይ ከም እትነብርን ቃል ኣትያ እያ ተፈልያትኒ። ኣነ ድማ ዕረ እናጠዓመኒ ነፋሪት ኣስቂለያ። ድሕሪ ምኻዳ ትድውለለይን ብፈይስ ቡክ ንራኸብን ነይርና። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ግን ደዊላ ዘሰንብድ ነገር ነጊራትኒ። ካብ ሓደ ጀርመናዊ ከም ዝጠነሰትን ኣብ ቀረባ እዋን ክምርዓዉ ምዃኖምን ብምንጋር፡ ንዓይ ድማ ንዘልኣለም ዝፈትዋ ሓዋ ንክኸውን ተማሕጺናትኒ። ብሓቂ በዲላትኒ። ብሰንካ ኣብ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ እምነት ኣጥፊኣ። ነዛ ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣብ ውሽጠይ ዝኣተወት ጽብቕቲ ኣፍቃሪት ብምኽሳረይ ስራሕ ፈቲሐ ኣብ ጭንቀት እየ ዝርከብ። ከመይ ገይረ ከም ዝቕበሎን ንገዛእ ነብሰይ ኣእሚነ ናብ ንቡር ከም ዝምለስን በጃኹም ምኽርኹም ለግሱለይ።

ደላይ ምኽሪ ካብ ኣስመራ

ዝኸበርካ ደላዪ ምኽሪ፡ ንኣፍቃሪትካ ነበር ንኽትርስዓ፡ ድሮ ሓደ ስጉሚ ከይድካ ከም ዘለኻ ካብ ዝሰደድካልና ሕቶ በሪሁልና ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ዘየላ ተስፋ ካብ ምህውታት ወጺእካ ስለ ዝቐበጽካያን፡ ከመይ ገይርካ ክትርስዓ ከም እትኽእል ክትሓስብ ብምጅማርካን እዩ። ዝተጠልመ ፍቕሪ ዝያዳ ኣቐንዛዊ ዝኸውን፡ ኣፍቃሪ ወይ ኣፍቃሪት “ትምለሰኒ ትኸውን፡ ይምለሰኒ ይኸውን” ኣብ ዝብል ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ምስ ዝህውትቱ እዩ። ከም’ዚ ዝበለ ተስፋ፡ መወዳእታ ብዘይብሉ ትጽቢት ንቓንዛ የቃልዓካ። ንስኻ ግን ደጊም ናትካ ከም ዘይኰነት ኣሚንካ ቀቢጽካያ ስለ ዘለኻ፡ ንኽትርስዕ ዝቐለለ ክዀነልካ እዩ። ብርግጽ፡ ብሓባር ኣብ ዘሕለፍኩሞ 18 ዓመታት ኣካል

“ጥልመት ኣፍቃሪተይ ነበር ምጻር ስኢነዮ”

ሂወትካ ኰይና እያ ጸኒሓ። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ሓደ ለይቲ ክትርስዓ ከም ዘይትኽእል ግሁድ እዩ። እንተ ዀነ ግን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንኽትርስዓ ክትገብሮ ዘለካ ብዙሕ ነገር ኣሎ። - ኣፍቃሪትካ ካብ ካልእ ፕላነት

ዝመጽአት፡ ወይ ካብ ደቂ-ሰብ ንላዕሊ ዝተዓደለት ከም ዘይኰነት እመን። ሰብ ብተፈጥሮኡ ንኸባቢኡን ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብን ናይ ምልማድ ባህሪ ኣለዎ። ስለ ዝዀነ እዮም ድማ “ካብ ዓይኒ ዝገለለ፡ ካብ ልቢ ገለለ” ተባሂሉ ዝምሰል። ንፍቕሪ ዝያዳ ዝዕቅቦ ብሓባር ምህላው፡ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን ክልተ ጎኒ ናይ ሓደ ሰብ ዄንካ ምንባር፡ ሓሳባት ምልውዋጥ፡ ንሓድሕድካ ምትሕጉጓስ. . . እዩ። እቲ ካባኻ ትረኽቦ ዝነበረት፡ ኣብ ዘላቶ ከባቢ እንተ ጸኒሑዋ ዘይትልወጠሉ ምኽንያት ከም ዘየለ ተገንዝብ። ንስኻ እውን ጽባሕ ምስ’ታ ብቐረባ ክትረኽባ እትኽእል ጓል ክትፋቐር ምዃንካ ኣይትዘንግዕ። - ንኣፍቃሪትካ ነበር ክትርስዓ እንተ ድኣ

ተበጊስካ፡ ንዓኣ ከዘክሩኻ ካብ ዝኽእሉ ከባቢታትን ነገራትን ብዝተኻእለካ መጠን ርሓቕ። ሕጂ ናይ ካልእ ኰይና እየ። ስለ’ዚ እንተድኣ ቀቢጽካያ ንገዛእ ነብስኻ እተሳቕየሉ ምኽንያት የብልካን። - ንሳ ኣብ ሓሳብካ ክትመጽኣካ ከላ፡

ናብ ዘየጸምዉ ሰባት ተሓወስ፡ ባህ ዝብለካ መዘናግዒ ኣዘውትር፡ ኣብ ስራሕ ወይ ምንባብ መጻሕፍቲ ተጸመድ። - ንሳ ስለ ዝጠለምትካ፡ ቅርሕንቲ

ከተሕድር ከም ዘይብልካ ንነብስኻ ኣእምና። ምኽንያቱ ንሳ ኣብ ዘላቶ ኩነት የለኻን። ወዲ ሰብ ብኸባቢኡን ብኹነታትን ከም ዝጽሎ ክትክሕዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንስኻ ኣቐዲምካ

ብዘይምጥላምካ ንገዛእ ርእስኻ ኣድንቃን ኣመስግናን። ሕጂ እቲ ቃንዛ ኣባኻ ይህሉ ይኸውን። እቲ ናይ ሓዋሩ ቃንዛ ግን ምስ ጠላሚ እምበር ምስ ተጠላሚ ኣይነብርን እዩ። ሰሰናዩ ንዓኻ።

እያ። ግና ጌጋ ብጌጋ ክእረም ከሎ ጌጋ ውጽኢት እዩ ዝህብ። መጻኢኣ ክኹላዕ እምበር ክጽልምት ከም ዘይክእል ኣእምና። ሰባት ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስባና ምዃንና ኣብርሃላ። ንሂወታ ጽቡቕ እንተ ሓሲባትላ ኣብ ጎደና ዓወት ክትምርሽ’ያ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ 6 ወርሒ ዘጉላዕልዕ

ፍቕሪ ክበርሃለይ ኣይከኣለን። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ፍቕሪ ምስ ዓርሞሸሽ ቅርሕንቲ። ጾታዊ ርክብኩም ብስምዒት ተደፋፊእኩም ዲኹም ፈጺምኩሞ ወይስ ብፍቕሪ እውን ክትምርምሮ ይግባኣካ። ወዲ 20 ዓመት ኢኻ ዘለኻ። ንእትወስዶ ስጉምቲ ተሓታታይ ንስኻ ኢኻ። ጽባሕ ‘መሲሉኒ ውዒለዮ’ ከይትብል። ስለ ዘይደገፍኩኻ ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ ኣይትበለኒ። እቲ ንዓይ ዝረኣየኒ ግን ንሱ ስለ ዝዀነ ተንቲንካ ዘዋጽኣካ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ተማሃራይ ቢንኣል ካብ ማይ ነፍሒ

ጓል 19 ዓመት ተማሃሪት 11 ክፍሊ እየ። ሓደ ኣመና ዝግደሰለይን ከም ዘፍቅረኒ ዘርእየኒ ዝነበረን ዓርኪ ሓወይ፡ ኣነ ክግደሰሉ ምስ ጀመርኩ ግን ጠባይ ቀይሩ። ንሱ ከም ዘፍቀርኩዎ እናፈለጠ ከም ዘይፈለጠ እናዀነ፡ ኣነ ግን ኣብ ፍቕሪ ኣትየ ሕማቕ ኣለኹ። ከይርስዖ ድማ ዓርኪ ሓወይ ስለ ዝዀነ ኩሉ ግዜ እየ ዝርእዮ። ሓደ ወዲ ንፍቕሪ ይሓተኒ ከም ዘሎ ምስ ነገርኩዎ ድማ “ዓርኪ ኣለኒ” በልዮ ጥራይ ኢሉኒ ሱቕ ኢሉ። ከምኡ ምስ በልኩዎ ድማ መሊሱ ክቕየር ጀሚሩ። ቴለፎን እንተ ደወልኩሉ ኣይቅበለንን። ስለምንታይ ቴለፎን ከም ዘይቅበልን ንሱ እውን ዘይድውልን ምስ ሓተትኩዎ፡ ባህ ዘየብል መልሲ ሂቡኒ። ብፍቕሩ ተመሊኸ ኣለኹ’ሞ ከመይ ገይረ ኣብ ልቡ ከም ዝኣቱ ምኽርኹም ሃቡኒ።

ጠ. ካብ ዓዲ ሰጉዶ

ከም ዝርደኣና፡ ዓርኪ ሓውኺ ብምዃኑ ተጽዕኖ ክስመዖ ይኽእል እዩ። ምናልባት ንስኺ ብፍቕሪ ዓበድበድ ስለ ዝበልኪ፡ እቲ ንዕኡ ዘሰክፎ ነገራት ከይረኣየኪ ይኽእል እዩ። ስለ ዝዀነ ብቐዳምነት ኣብ ሓውኺ ዘለዎ ስኽፍታ ክሳብ ክንደይ ከም ዝዀነ ከተስተውዕሊ ፈትኒ። ፈለማ ንሱ ይግደሰልኪ ከም ዝነበረን፡ ናይ ፍቕሪ ምልክት ከም ዘርኣየኪን ኣሚትክልና ኣለኺ። ስለ ዝዀነ፡ ሕጂ ስለምንታይ ካባኺ ይሃድም ከም ዘሎ ኣዕሙቕ ኣቢልኪ

“ክግደሰሉ ምስ ጀመርኩ እምበር ጠባይ ቀይሩ!”

ክትሓስቢ ይግባእ። ሓውኺ ካብ ንዕኡ፡ ዝያዳ ንዓኺ ከም ዝብጻሓኪ ይፈልጥ እዩ። ንሓውኺ ምስጢር ፍቕርኺ ከም ተዕልልዮን ዘይተዕልልዮን ርግጸኛ ዝዀነ ኣፍልጦ የብሉን። ብዓቢኡ ድማ ንሱ ብኣጋጣሚታት ከይዕዘቦ ስግኣት ክህልዎ ይኽእል። ምኽንያቱ ምስ ዓርኩ ዘቀያይሞን ዝፈላልዮን ተግባር ካብ ምፍጻም ክቑጠብ ከም ዝደሊ ርዱእ እዩ። ቴለፎን ኣብ እትድውልሉ እዋን ምናልባት ምስ ሓውኺ እንተ ጸኒሑ ከይቅበለኪ ክመርጽ ይክእል።

ሓውኺ ምስኡ እንተ ዘይሃለወ’ውን ንስኺ ምስ ሓውኺ ከይትህልዊ ክጥርጥር ይኽእል እዩ። ንስኺ ሓውኺ ምፍላጡን ዘይምፍላጡን ዘየገድሰኪ ክትኰኒ ትኽእሊ እንተ ዄንኪ’ውን፡ ኣብ ቦታ ዓርኪ ሓውኺ ዄንኪ ምስ እትግምትዮ ግን ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ፡ ናብ ካልእ ፍቕራዊ ርክብ ቅድሚ ምስግጋርኪ፡ ውሕስነት ከም ዝስምዖ ክትገብሪ እዩ ዝግበኣኪ። ፍቕሩ ክገልጸልኪ እንተ ዀይኑ ድማ ካብ ዘለዎ ተጽዕኖ ናጻ ክኸውን ኣለዎ።

Page 6: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 6

ብትዕግስቲ መንግስቱ

ፈቲሐካ

“ሜሮን ኣበይ ኣምሲኻ?” ወላዲኡ ሕቶ ኣስዓቡ። “ምስ ኣዕሩኽተይ” ርእሱ ደፊኡ

መለሰ። “ሰዓት ክንደይ ኣሎ? ይርድኣካ

ኣሎ ድዩ? ኣብ’ዚ ገዛ ክሳብ ዝሃለኻ ክሳብ ከምዚ ሰዓት ከተምሲ ዘፍቅደልካ የለን። ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ናይ ሕጂ ክትኣቱ እንተርእየካ ክዳውንትኻ ሂበ ካብዚ ገዛ ከፋንወካ’የ፡” ሜሮን ዘረባ ናይ ኣቦኡ ከም ሓዊ ኣብ ነብሱ’ኳ እንተተፍአ ክምልስ ግን ኣይደለየን። “ምዃን ንስኻ እንታይ ጌርካ፡ እዛ

ሃላይ’ያ ተበላሽወኩም ዘላ። ኣነ ንዓኹም ክብል ቀትሪ ገዲፈ ለይቲ እናሰራሕኩ ንሳ ከኣ ንዓኹም ምቁጽጻር ሲኢና፡” ኣስናኑ ሓራቐመ። ሜሮን፡ ዝፈትዋ ኣደኡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክትጽረፍ እናተሰምዓ ትም ክብል መረጸ። እቲ ‘ቀትሪ ገዲፈ ለይቲ ክሰርሕ ዝበሎ’ ከየገረሞ ኣይተረፈን። ፈቐዶ ባራት ምስ ሰሰን ክዓብድ እናምሰየ ከምኡ ምባሉ ኮነ ኢሉ ንተግባራቱ ሸፊኑ ንጹህ ንምምሳል ዝሃንደሶ ምኽኒት ምዃኑ ስለ ዝተረድኦ ብውሽጡ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓረቐ። ‘ደሓን ድሕሪ ሕጂ ንሰሰን

እተረኺብካያ ክትርኢ እንዲኻ’ ንበይኑ ተዛረበ። ብድሕሪኡ ዘረባ ምውሳኽ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ ንተስፋይ ኣብ ሳሎን ገዲፍዎ ንመደቀሲኡ ሓለፈ። ተስፋይ ኣብ ሳሎን ንበይኑ ተረፈ።

ኣልጋነሽ ደቂሳ እንተጸኒሓቶ ምስኣ ከይድቅስ ማንቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሳሎን’ዩ ዝሓድር። እንተዘይደቂሳ ግን ትኽ ኢሉ ንመደቀሲ’ዩ ዝሓልፍ። ኣልጋነሽ ከኣ ንሱ ኣብ መደቀሲ እንተሎ ምስኡ ምድቃስ ድፍረት ስለ ዘይፈጥረላ ኣብ ሳሎን’ያ ትድቅስ። ሚሮን ንመደቀሲ ድሕሪ ምእታዉ

እቲ ንሰሰን ዝኣተወላ መብጽዓን ከተግብር ተሌፎን ደወለላ። ሰሰን ግን ኣክንዲ ትቕበሎ ዓጸወቶ። ሜሮን በቲ ሃንደበታዊ ተግባራ ሰንቢዱ እንታይ ከም ዝኾነት ክሓስብ ዝን ኢሉ እንከሎ፡ ሞባይሉ ናይ መልእኽቲ ድምጺ ኣስመዐት። ብታህዋኽ ከፊቱ ምስ ረኣዮ ድማ፡ እቲ መልእኽቲ ናይ ሰሰን’ዩ ነይሩ። “ክትብለኒ ዝደለኻ ብመልእኽቲ በለኒ” ዝብል መልእኽቲ ድማ ኣንበበ። ሜሮን፡ መልእኽቲ ምስ ኣንበበ

ብድፈረት ሰሰን ካብ መጠን ንላዕሊ ተገረመ። ተማሃሪት እንከላ ትውንኖ

7ይ ክፋል

ዝነበረት ድፍረት ድማ ገና ምስኣ ከም ዘሎ ከስተብል ከኣለ። ድሕሪ ነዊሕ ደቃይቕ ክምልሰላ ከም ዘለዎ ስለ ዝተረድአ፡ ብሓባር ብምምሳዮም ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝተሓጎሰ ብምግላጽ ፍቓደኛ እንተዀይና ናይ ትምህቲ ዕረፍቱ ክሳብ ዝውድእ ብቐጻሊ ብሓባር ከምስዩ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ሓተታ። እንታይ ኢላ ከም እትምልሰሉ እናሓሰበ ከሎ ዳግማይ ሞባይሉ ድምጺ ኣስመዐት። ሰሰን ምስኡ ምምሳይ ምስ ፍሉይ ዓይነት ሰብ ምምሳይ ከም ትቖጽሮ ሓቢራ ጸገም ከም ዘይብሉ ኣበሰረቶ። “ስለ’ቲ ኣብ ልዕለይ ዘለኪ ተገዳስነት ከየመስገንኩኪ ክሓልፍ ኣይደልን’የ። ክብርን ምስጋናን ንዓኺ ይኹን። ኣዚኺ ፍልይቲ ሰብ ኢኺ።” ሜሮን ነታ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነት ቶኽላ ዝሓሰባ ሰሰን ክሳብ ዕላምኡ ዝወቅዕ ዘይኣምነሉ ናእዳ ኣውሓዘላ። ሜሮን ክዳንውቱ ከይቀየረን

ከይደቀሰን ንዝተላእኮ መልእኽቲ ክምልስ ለይቲ ተፋረቐ። ሞባይሉ ገንዘብ እንተዘይትውድእ ሰሰን ፈጺማ ኣይምገደፈቶን።

*** “ዲና” ለተኪዳን ኣብ ክሽነ ኮይና

ነታ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢላ ቲቪ ትከታተል ዝነበረት ጓላ ተዳሃየታ። “ኣቤት ማማ” “ንዒ’ዛ ጓለይ፡ እዘን ኣስቤዛ ቅልጥፍ

ኢልኪ ንሓትኖኺ ኣብጽሕላ።” ብምባል ነቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ሳንጣ ኣመልከተትላ።“ኣቲ ማማ፡ ሕጂ ደኣ’ሞ እታ

ዝከታተላ ፊልም ክትመጽእ እንድያ።” ብምባል ዲና ኣመኽነየት። “ኣይትድንጉይን ኢኺ።’’ በለታ ኣደኣ

ዓይኒ ዓይና እናጠመተት። “ዲኑ ጓለይ፡ ታክሲ ጌርኪ እንተኼድኪ ቀልጢፍኪ ክትምለሲ ኢኺ። እንተዘይኰነ ድማ ሰዓት ዓሰርተ እዛ ፊልም ክትድገም ስለ ዝዀነት ሽዑ ትከታተልያ። ዲና፡ ትምህርቲ ናይ ንግሆ ስለ

ዝኾነት ድሕሪ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ፊልም ክትርኢ ኣይፍቀዳን’ዩ። “ንስኺ እንተኣፍቂድክለይ ባባ

ምርኣይ ክኣብየኒ እንድዩ?” በለታ። “ጸገም የለን ባዕለይ ክዛረቦም’የ፡

ግና ጽባሕ ንግሆ ቀልጢፍኪ ክትስኢ ኣለኪ።”“እትስእ! ኣላርም መሊኣ ዘይሓድር”

ገጻ ብሓጎስ በርሀ። ወትሩ ኣስቤዛ ወይ ዝዀነ ልኡኽ እንተሎ ባዕላያ

ተብጽሓላ። ገዛኦም ቲራቮሎ ስለ ዝኾነ ንኣልጋነሽ ዝበጽሕ መልእኽቲ ኣብጺሓ ክትምለስ ግዜ ኣይወስደላን’ዩ። ኣልጋነሽ ንእሽቶ ሓትኖኣ ስለ ዝኾነት ካብ መጠን ንላዕሊ’ያ ትፈትዋ። ኣብ እዋን ክረምቲ ዝበዝሐ ግዜኣ ምስኣ’ያ ተሕልፎ። ኣልጋነሽ ሰብ ዘይትፈቱ ክነሳ ንዲና ግን ኣዝያ’ያ ትፈትዋ። ካብ ዕለታት ሓደ ሓደ መዓልቲ፡

ኣልጋነሽ ምስ ኣፍቃሪኣ ክትራኸብ ገዲፋታ ንደገ ምስ ወጸት፡ ዲና ክትሸይን ደልያ ንሓትኖኣ ተዳሃየታ። ኣልጋነሽ ደሃይ ክትህባ ስለ ዘይከኣለት ግና ዝደቀሰት መሲልዋ ኣብቲ ደቂሰናሉ ዝነበራ ዓራት ኢዳ ሰዲዳ ሃሰስ በለት። ንኣልጋነሽ ግን ክትረኽባ ኣይከኣለትን። መብራህቲ ወሊዓ ምስ ተዓዘበት ድማ ኣብታ ጸብጻብ ገዛ በይና ምንባራ

ኣስተዉዓለት። ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ግና ኣልጋነሽ ተመልሰት። ድሕሪ’ታ ኣጋጣሚ ምስ ኣልጋነሽ ዝሕደር ኮይኑ ኣይስምዓንን’ዩ። ኣብቲ እዋን ኣልጋነሽ ናበይ ከይዳ፡ ኣበይ ኣምሲያ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተመልሰ ሕቶ’ዩ ንዓኣ። እዚ ስለ ዝዀነ ድማ እንትርፎ በጺሕካ ምምጻእ ክትሓድር ኣይትደልን’ያ። “ማማ ገንዘብ’ከ ክማላኣላ ድየ?” ኩሉ ግዜ ኣስቤዛ ኣብ ተብጽሓላ ገንዘብ ስለ ትማልኣላ ንኣደኣ ሓተተት። “ደሓን ዛ’ጓለይ፡ ቀዳመ ሰንበት

ምኻደይ ስለ ዘይተርፈኒ ባዕለይ ክማልኣላ’የ። ሕጂ ጥራይ እዘን ኣስቤዛ ኣብጽሕ ኣቢልክላ ተመለሲ።” ኣስቤዛ መሊኡ ዝነበረ ሳንጣ ኣቐበለታ። ለተኺዳን ብመነባብሮ ደሓን ስለ

ዝዀነት ልዕሊ ካልኦት ኣሕዋታ ንዓኣ’ያ ተገዲሳ ትኣልያን ትሕብሕባን።

. . . “ሰሰነይ ምቅርቲ! መልክዕኪ ከጸልለኒ

ደልዩ።” ሰሰን ናእዳ ናይ ተስፋይ ቅጭ ኣምጽኣላ። ተስፋይ ምስ ዕድመኡ ዘይከይድ ቃላት ክዛረብ ዘምሕረሉ ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዓ ብዘረብኡ ነብሳ ግንብንግ በላ። ብፍላይ ምስ ሜሮን ምስ ተላለየት፡ እቲ ዘዋር ዓይና፡ እታ

ኣብ ሓደ ምጽናዕ ዘይትፈልጥ ልባ፡ ድሮ ናብ ጽባቐ ሜሮን ተገልቢጠን ንጽባቐ ተስፋይ ዝርኢ ዓይንን ልብን ኣይነበራን። “መልክዐይ እንተደመቐ

ዘይብሳላኻ’ዩ ሃኒ። ትገብረለይ ዘለኻ ጽቡቕ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ይኸብደኒ ስለ ዘሎ ብምንታይ ከም ዝመልሰልካ ኩሉ ግዜ’ዩ ዘሕስበንን ዘጨንቕንን። ዝያዳ መልኪዐን ከም ጸሓይ ንግሆ ደሚቐን እንተ መጽእየካ ዝያዳ ከም ትሕጎስ ስለ ዝፈልጥ ንዓኻ ከሐጉስ ዘይገብሮ የብለይን።” በለት። ‘ክንምርዖ ኢና ክብላ ከሎ ብዝተዓጻጸፈ ንሱ ኣብ ልዕሊኣ ይዋሳእ ከም ዘሎ’ያ

ትርዳእ።’ “ኣብ’ቲ እንዳ ሳሎን ከይደ ኔረ ኣዝየን ጽቡቓት ሳሎን ኢኺ መሪጽኪ። መቸም ኣብ ጽቡቕ ነገር ዘለኪ ኣረኣእያ ፍሉይ’ዩ።”

ተስፋይ ካርካር ኢ ሉ

ሰሓቐ። ሰ ሰ ን ’ ው ን

ከተሐጉሶ ብምሕሳብ ሰሓቕ ዘይመጻ ካርካር ኢላ

ሰሓቐት። “ዋጋ ግን ቁሩብተይዶ ከቢረን”

ሰሰን ስክፍቲ ክትመስል ዘምጽኣቶ ሓሳብ’ምበር ብውሽጣስ ሎሚ ዘይተረኸብካ ደኣ መዓስ ክትርከብ እናበለት ትሕንሕን ነበረት። ነተን ነዊሕ ዝገበራ ሳሎን ናይ ገዝኦም እንተቐይራተን ወለዳ ማዕረ ክንደይ ከም ዝሕጎሱላ በርሃላ። “ጸገም የለን፡ እዚ ደኣ ኣየናይ

ኮይኑ? ኣብ ዘይጠቅም ነገር’ኳ ገንዘብካ ተጥፍኦ፡” በለ ተስፋይ ብትዕቢት እናተታዕነነ። “ኣዝየ’የ ዘመስግነካ፡” ሰሰን ካብቲ

ጎቦ ኮይናትሉ ዝነበረት ዓራት ቀኒዓ ሰዓመቶ። ዋጋ ናይቲ ምስኡ ትሓድሮ ተማልስ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ድማ፡ ብተግባራ ምንም ኣይተሰምዓን።. . . “ኣውደኣመት ይኣቱ’ሎ እንታይ

ኢኺ ክትገብሪ?” ጎቦ ዓይኑ ጌሩ እናጠመታ’ዩ ሓቲትዋ። “እዋእ እንታይ ክገብር ደኣ?”

ብዙሕ ከይተገደሰት መለሰትሉ።

“እንታይ ኢልኪ፡ እንታይ ክገብር ደኣ ዲኺ ዝበልኪ?” ካብቲ ኮፍ ኢሉ ዝነበረሉ ኩርሲ ብሕርቃን ብድድ በለ። በቲ ሃንደበታዊ ምቅይያር ናይ ስምዒቱ ዝሰንበደት ኣልጋነሽ፡ ክሳብ ክንድኡ ዘሕርቕ ቃልዶ ተዛሪበዮ’የ ብምባል ሓሰበት። ግና ዘውጽኣቶ ቃል ማዕረ ክንድኡ ዘየሕፍር ኮይኑ ኣይረኸበቶን።” “እንታይ ደኣ ሓሪቕካ?”

እናርሓረቐት’ያ ሓቲታቶ። “ናይ ደሓን ዲኻ ከኣ ትብልኒ?”

ብእግሩ ነቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ናውቲ ቡን ቀልዖ። እቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ናውቲ ቡን ኩሉ ነንሕድሕዱ ተጋጪዩ ነቲ ገዛ ብድምጺ ረበሾ። ብንግሆኡ

ደቂሶም ዝነበሩ ጎረባብቲ ስለ ዘይሰምዕዎም፡ ዝመጸ ጎረቤት ኣይነበረን። “ ደ ሓ ን

ክንርአአ ኢና። ከም ልምድኺ እ ን ተ ጌ ር ኪ ተ ዀ ር ሚ ኺ

ክትውዕሊ ኢኺ?” ብሕርቃን ገዲፍዋ ካብ ቅድሚ ኣዒንታ ተኸወለ። ኣልጋነሽ ካብ ፈለማ ስለ ዝተሰናበደት ዝዀነ መልሲ ኣይሃበትን።

*** ይስሕባ’ዩ ዝበለ ነገራት ካብ

ምግባር ፈጺሙ ኣይተቖጠበን። ካብ ዓርኩ መኪና እናለመነ ኩሉ ቦታታት ኣዛወራ። ሰሰን ብሜሮን ኣዝያ ተማረኸት። ንተስፋይን ሜሮንን ኣጣሚርካ ምኻድ ድማ ኣየጸገማን። ዋላ’ኳ ምስ ተስፋይ ምኻድ ድሕሪ’ታ ዓቢ ሳሎን ዝገዝኣላ ምዝዋር ቅጭ ኣምጽኣላ። ሜሮን ገና ሕቶ ፍቕሪ ስለ ዘየቕረበላ ግን ደፊራ ክትገድፎ ኣይከኣለትን።

*** “ሜላት፡ ግዜ መጽናዕትኺ ኣኺሉ

ኣሎ መደቀሲኺ ሕለፊ።” “እንታይ እዋን ደኣ ኣኺሉ፡”

ሜላት ትከታተላ ዝነበረት መደብ ኣዝያ መሲጣታ ስለ ዝነበረት ከመይ ኢሉ ቀልጢፉ ሰዓት ኣኺሉ ኣይተረድኣን። “ኣኺሉ’ዩ ቀልጥፊ ተስኢ፡”

ሜላት ድሕሪ ዘረባ ናይ ኣደኣ ግዜ ከይወሰደት ቀልጢፋ ብድድ ኢላ መደቀሲኣ ኣተወት። “እዋእ! ኣታ ቈልዓ ሎሚ ቕነ

ዘይኣመልካ ምስ’ዛ መስትያት ኮይኑ’ሎ ምወዓልካ፡” መደቀሲ ናይ ሜሮን ከፊታ ምስ ኣተወት፡ ሜሮን ኣብ ዓራቱ ኮፍ ኢሉ ምስ’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓቢ መስትያት ተፋጢጡ ምስ ጸንሓ’ያ ከምኡ ኢላቶ።

ይቕጽል

Page 7: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 7

ሂወት፡ እቲ ናብ ኣዜብ ትካል መፍረ ደርሁ ዝተሰጋገረትሉ ኣጋጣሚ፡ ድሕሪ ነዊሕ ከርተትን ናይ ምንባር ቃልስን ብቀዋሚ ተረጋጊኣ እናሰርሐት ደቃ እትናብየሉ ባይታ ፈጠረላ፡፡ ምስቲ ካብ ትስወር ኣትሒዛ ዘሕለፈቶ ናይ ከልበትበትን መከራን ሂወት ብተዛማዲ ርጉእን ቅሱንን ናብራ ከተሕልፍ ከኣለት፡፡ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል

ምስ ኩሎም ስድራቤቱ፡ ብጽፈትን ኣድማዕነትን ሂወት ቀልጢፎም’ዮም ተመሲጦም፡፡ ብዘይካ ኣብ ስራሕ ዝነበራ ኣድማዕነት ብስነ ምግባራን ዲሲፕሊናን’ውን ካብቶም ካልኦት ሰራሕኛታት ብልጫ ስለ ዘስተብሃሉላ ሓንቲ ካብቶም እሙናትን ወሰንትን ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል ኮነት። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዝዉንንዎ ተወሳኺ ትካል መፍረ ጸባን ውጽኢቱን ብሞያ ክትነጥፍ ስለ ዝተሓርየት፡ ኣብ ሓጋዝ ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ ከይዳ ኣብ ምስራሕ ፋርማጆ ከም እትስልጥን ተገብረ።ሂወት ስልጠንኣ ዛዚማ

ስራሕ ኣብ ዝፈለመትሉ እዋን ግና ሃንደበት ሓደጋ መኪና ስለ ዘጓነፋ ኣብ እግራ ከቢድ ማህሰይቲ ገጠማ። ንኣድላዩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ተዓቖበት። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ድማ’ዩ ኩነታት ስድራቤት ሂወት ዝያዳ ኣሻቓሊ ዝኾነ። ብኩነታታ ዘጣይቕ ሓው፡ ሓብቲ ወይ ቤተሰብ ተሳእነ። ምስ ሃረምታ ክላዘብ ዝቐርብ መቕርብ ስለ ዝተሳአነ ንኣስራሕታ ዘሻቐለ ጉዳይ ነበረ። ስለ’ዚ ድማ ኣቶ ሚካኤል ወላዲ ኣቶ ኣብርሃም ንኩነታት ስድርኣ፡ ቤተሰባን ዓዳን ከጣይቑ ስለ ዝወሰኑ ንሂወት ሓተትዋ። እታ ንምሉእ ሂወታ ተሓቢኣ ክትነብር ዝወሰነት ሂወት ወላ’ውን ኣብ’ቲ ፈታኒ መድረኽ ቅንጣብ ምስጢር ከተውጽእ ኣይደለየትን። ስለ ዝኾነ እንዳ ኣቶ ሚካኤል ምሉእ ሓላፍነት ወለዲ ወሲዶም ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ምስ ፈጸምቲ ተላዚቦም መዕለቢ ገበርሉ። ድሕር’ቲ ፈታኒ ኣጋጣሚ

ንሂወት ብዛዕባ ስድርኣን ሕሉፍ ሂወታን ክሓትት ዝደፈረ ሰብ ኣይተረኽበን። በዚ ድማ ብሓደ መዳይ ደቃ እና ኣዕበየትን እና ኣምሃረትን ብኻልእ መዳይ ድማ ምስ ስድራ ቤት ኣቶ ሚካኤል ንጥዕንኣ ኣብ ዝሰማማዕ ስርሓት እናነጠፈት ካብ ድባርዋ ናብ ጻዕዳ ክርስትያን ግዒዛ ክትቅመጥ ጸንሐት። ሂወት ኣብ መዓልታዊ ሂወታ

ዝኽርን ናፍቖትን ናይቶም ኣብ ዕሸሎም ዝገደፈቶም ሰለስተ ደቃ ነይርዋ። ቀትሪ ኣብ ዕለታዊ ሃለኽለክን ስራሕን ተጸሚዳ ትውዕል፡ ለይቲ ድማ ብሕልና ምስ’ቶም ዝገደፈቶም ደቃ ትቑዝም። ብኸምዚ መዋእላ ኣብ እህህታን ሓዘንን እንከላ ድማ’ያ ምስዋራ ምብቅዑ ዘበስር ኣጋጣሚ ዝሰምዐት።*****መም/ ጉርጃ ኣሰየ ብርሃነ

ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ካብ ትግራይ ንሱዳን ድሕሪ ምስዳዱ፡ ሂወት ሱዳን ክላመድ ግዜ ኣይወሰደሉን። እንተኾነ በቶም ድሕሪት ዝገደፎም ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ቅሱን ኣይነበረን። ስለ ዝኾነ ሰባት ልኢኹ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ከም ዝስዕብዎ ገበረ። ከምቲ ዝተመንዮ ድማ ብዓልቲ ቤቱ ሂወት ንደቁ ጠርኒፋ ተጸንበርቶ። ኣብ ፈለማ መም/ ጉርጃ ምፍላላይ ኣብቂዑ ምስ ስድራቤቱ ብምሕዋሱ ጥዑም ሂወት ከስተማቕር በቕዐ። እንተኾነ ሓዳር ከምቲ ዝፈለሞ

ኣይኮነሉን። ከምቲ ዝተመነዮ ፍቕሪ ዝመልኦ ቅሱን ሓዳር ክመርሕ ኣይከኣለን። ኣብ መንጐኡን ኣብ መንጎ ሂወት ብዓልቲ ቤቱን ዝተላዕለ ንጹር መበገሲ ዘይብሉ ግጭት እናዓበየን እናተጎሃሃረን ከደ።ዘፍቅሮም ህጻውንቱ

ክቕርቀሩ ዘስተባህለ መም/ ጉርጃ በቲ ኣብ ሓዳሩ እናዓረገ ዝኸይድ ዝነበረ ዕግርግር ኣዝዩ ጎሃየ። እንተኾነ ነቲ ዝተፈጥረ ግጭት ብልዝብ ኣህዲኡ ኣብ ቤቱ ሰላም ከስፍን ዓቕሚ ሓጸሮ። ጉዳያት ብልቦና ጠሚቱ ንገዛእ ርእሱ ኣረገጋጊኡ ሓዳሩ ከረጋግእ ኣይከኣለን። ግጭት ብግጭት ናይ ምፍታሕ ሜላ ተኸተለ። ሳዕቤን ዕግርግርን ህውከትን ከቢድን ኣዕናውን ምዃኑ ናይ ምስትብሃል ዓቕሚ ሰኣነ።ክልተ ሰብ ሓዳር ነቶም

ኣዝዮም ዘፍቅርዎም ደቆም ቅድሚት ሰሪዖም ነብሰ ግትኣት ክንዲ ዘማዕብሉ ኣብ ህልኽን

ሕልሚ ተጋሂዱ!

7ይ ክፋል

ኣካል መብራህቱ

ሕነ ምፍዳይን ተነቚቱ። ሂወት ነቲ ዕለታዊ ዝፍጸም ዝነበረ ዕግርግር ምጽዋር ሰኣነቶ። ኢዳ ሂባ ድማ ዕላማን ኣንፈትን ዘይብሉ ካብ ቤታ ናይ ምስዋር ስጉምቲ ወሰደት። መም/ ጉርጃ በቲ ምስ ሓዳሩ ተፈጢሩ ዝነበረ ህውከት ኣብ ከቢድ ጭንቀት እንከሎ፡ ሓደ እዋን ብስራሕ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ሂወት ምስዋራ ተረድአ። በዓልቲ ቤቱ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ምእማን ዝሰኣነ መምህር ኣብ’ቲ ፈለማ በቲ ከይዳቶ ዝተባህለ ከተማታት ከናድያን ለሚኑ ክመልሳን ፈተነ ኣካየደ። ኩሉ ዝገበሮ ፈተነ ግን ኣይሰለጠን። ስለ’ዚ ናብ ደቁ ገዳርፍ ተመሊሱ ከጸናንዖምን ናይ ኣቦን ኣደን ሓላፍነት ተሰኪሙ ከዕብዮም ሓድሽ ናይ ምንባር ቃልሲ ጀመረ።ናይ ኣደ ቦታ ተኪእካ ቈልዑ

ምዕባይ ግን ከምቲ ዝግምቶ ዝነበረ ኮይኑ ኣይጸንሖን። ዘፍቅሮም ደቁ ብሓደ መዳይ ብናፍቖት ኣደኦም ክልለዉን ክቕዙሙን ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብጉድለት ኣተኣላልያ መልኣኾም ክሃድምን ዘስተብሃለ መምህር ጉርጃ ዕምቆት ኣገዳስነት ኣደ ኣብ ሓዳር ደረት ኣልቦ ምዃኑ ተሰወጦ። ሽዑ ግና ዝግበር ኣይነበረን። ብዘይካ ምስቁንቋንን ብስጭትን። ከም ሳዕቤኑ ጭንቀት ዘበገሶ መስተን ዕግርግርን ክተዓማመልኦ ጀመራ። ድሕሪ መሪር ናይ ምንባር ቃልሲ፡ ብዘይ ኣደ ቆልዑ ምጻር ስለ ዝኸበዶ ደቁ ሒዙ ናብ’ቲ ስድራቤቱ ዝነበርዎ ርሒብ ባይታ ክምለስ ወሰነ። ከምኡ ድማ ገበረ።እቶም ዘጋጠሞ ጸገም

ኣቐዲሞም ፈሊጦም ዝጸንሑ

ወለዱ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐበልዎ። እዚ ኣብ 1995 ምዃኑ’ዩ። ድሕሪ ሓጺር ጻንሖት፡ ኣሕዋቱን ስድራቤቱን ንነብሱን ደቁን እትሕግዝ ካልእ ሰበይቲ ክምርዖ ደፋፍእዎ። መምህር እንተስ ፍቓድ ስድራኡ ክመልእን ኣብ ምእላይ ደቁ ክሕገዝን ብምሕሳብ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ንዝቐረበሉ ሓሳብ ተቐበሎ። ኣብ ዓመተ 1997 ድማ ንኻልኣይ ግዜ ተመርዓወ። ድሕሪ መርዓ፡ መም/ ጉርጃ ከምቲ ስድርኡ ዝተጸበይዎ ዘይኮነ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ተለወጠ። እቶም ብናፍቖት ኣደ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ደቁ ናብራ ምስ ሰይተቦ ኣይተዋሕጠሎምን። ስለ ዝኾነ ጭንቀት መም/ ጉርጃ መሊሱ ዛየደ።ሰለስቲኦም ደቁ ፋሕ-

ፋሕ በሉ። ናብ ሓወቦታትን ኣኮታትን ተዘርዉ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ነቲ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ክፍንተቱ ዘይደሊ ወላዲኦም ዘይጽወር ጽዕነት ነበረ። ፈለማ በታ ዘፍቅራ ኣብ’ዚ ኣትያ ከይተባህለት ዝተሰወረት ሒማኡ ዝኣተዎ ሰለሎ፡ ዳሕራይ ድማ ተተስፍዩ ዝኣተዎ መርዓ ምብትታን ዘፍቅሮም ደቁ ስለ ዘኸተለ፡ ብስጭትን ወልፊ መስተን ናብ ሕዱር ሕማም ክሰጋገር ኣቃልዕኦ።ካብ ካልአይቲ ሰበይቱ ሓደ

ወዲ ምስ ወለደ ኣብ 2000 ድማ፡ በታ ኣብዚ ኣትያ ዘትብላ ዝተሸርበት ሰበይቱን ከም ደቂ ዛግራ ዝተበታተኑ ደቁን ከይቀሰነ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ።፡ …. ይቕጽል

Page 8: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 8

ብዛዕባ ሆንዱራስ ገለ ተበልናኩም ከ?

ሆንዱራስ ብስጳንኛ፡ “ዕምቈት” ማለት እዩ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ክሪስቶፈር ኮሎምበስ ነቲ ብሸነኽ ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዘሎ ማያት ሆንዱራስ ንምግላጽ እተጠቕመላ ቓል ክትከውን ትኽእል እያ። ገሊኦም ሰባት፡ ሆንዱራስ በዚ ምኽንያት እዚ ኸም እተሰምየት እዮም ዝገልጹ።ተቐማጦ ሆንዱራስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ

ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ተኣማንነትን ምትሕብባርን ዓብዪ ግምት እዮም ዝህብዎ። ንኣብነት፡ ንወጻኢታት ስድራ ቤት ወይ ከኣ ንትምህርቲ ውሉዳት ዝምልከት ዓበይቲ ውሳነታት፡ መብዛሕትኡ እዋን ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኰይኖም እዮም ዝውስንዎ።መብዛሕትኦም ነበርቲ ሆንዱራስ፡

መስቲዞስ፡ ማለት ምስ ኤውሮጳውያንን ምስ ደቀባትን እተዳቐሉ እዮም። ከምቶም ቾርቲ ዝብሃሉ ገሊኦም ደቀባት ሆንዱራስ

ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣለዉ። ከም ጋሪፉና ዝኣመሰሉ ኻልኦት ደቀባት ሆንዱራስ ከኣ፡ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጹ እዮም።ጋሪፉና ዘርኢ ኣፍሪቃውያንን ዘርኢ

እቶም ኣብ ደሴት ሰይንት ቪንሰንት ዝነብሩ ዝነበሩ ህንዳውያን ኣመሪካውያንን እዮም። ኣብ ከባቢ 1797 ድማ፡ ኣብ ኢዝላስ ደ ላ ባዪያ (ደሴታት በይ) በጽሑ። ጸኒሖም ከኣ፡ ኣብቲ ኽፍሊ ማእከላይ ኣመሪካ ዝዀነ ገማግም ካሪበያን ክቕመጡ ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ጋሪፉና ኣብ ኵሉ ማእከላይን ሰሜንን ኣመሪካ ተበተኑ።ዓሌት ጋሪፉና፡ ብደረቕ ዕንጨይቲ

እተሰርሐ ኸበሮ እናሃረምካ ምስዕሳዕ ባህ እዩ ዝብሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ባህሎም፡ ደሚቕ ዝሕብሩ ባህላዊ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ዛንታ ምዝንታውን የጠቓልል። ኢሪባ ዝብሃል ካብ ሱር ካሳቫ ዝስራሕ ሰፊሕን ረቂቕን ቅጫ እውን የዳልዉ እዮም።

ሓርገጽ ካብቶም ኣብዚ እዋን ዝርከቡ እንስሳታት ሓያል ናይ ምንካስ ዓቕሚ ኣለዎ። ንኣብነት፡ መንከስቲ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ጨዋም ማይ ዝነብር ሓርገጽ፡ ካብ ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ይበልጽ። ኰይኑ ግና፡ ምንጋጋ ሓርገጽ፡ ገለ ነገር ክትንክፎ ኸሎ፡ ካብ ጫፍ ኣጻብዕቲ ሰብ ንላዕሊ ብቐሊሉ’ዩ ዝስምዖ። ቈርበት ሓርገጽ ድሩዕ ወይ ኣዝዩ ድልዱል ክነሱ፡ ኣብ ምንጋጋኡ ክትንከፍ ከሎ ብቕልጡፍ ክስምዖ ዝኽእል ግን ብኸመይ እዩ? ምንጋጋ ሓርገጽ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ

ናይ ስምዒት ህዋሳት ኣለዎ። ዳንከን ሊች ዝስሙ ተመራማሪ፡ ነቲ ናይ ስምዒት ህዋሳት ምስ መርመሮ፡ “ነፍሲ ወከፍ ጫፍ መትኒ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሽክና እቲ

ምንጋጋ ሓርገጽ ዝብልዎስ… ሓርገጽ ዝርከብ ቀዳድ ኣቢሉ’ዩ ዝወጽእ” በለ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምንጋጋኡ ዝርከብ መትንታት ከይጕዳእ የዕቍቦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገለ ነገር ክትንክፎ ኸሎ ቕልጡፍ ምላሽ ንኽህብ እውን ይሕግዞ፡ እቲ ዝህቦ ምላሽ ኣዝዩ ቕልጡፍ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ብመሳርሒ ክዕቀን ኣይክእልን እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሓርገጽ፡ ኣብ ኣፉ ዘሎ ነገር፡ ምግቢ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክፈሊ ይኽእል። ሓንቲ ኣንስተይቲ ሓርገጽ፡ ነቶም እተጫጭሑ ደቃ ኣብ ኣፋ ገይራ ናብ ካልእ ቦታ ኽትወስዶም ከላ ብድንገት ከይትጭፍልቖም ዝሕግዛ፡ እቲ ናይ ስምዒት ህዋሳት እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ምንጋጋ ሓርገጽ፡ ናይ ምንካስ ሓይሊ ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ፡ ክትንከፍ ከሎ’ውን ብቕልጡፍ ክስምዖ ይኽእል እዩ።

ሓጺር ሓበሬታ • ብዝሒ ህዝቢ፡ 8,111,000• ርእሰ ኸተማ፡ ቲጉስጋልፓ

• መንግስቲ፡ ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ• ቋንቋ፡ ስጳኛ

• ኵነታት ኣየር፡ ሓውሲ ትሮፒካዊ፡ ኣብ ከባቢ ኣኽራን ግና ዝሕል ዝበለ ዅነታት ኣየር

• መሬት፡ ልዕሊ 75 ሚእታዊት ኣኽራን ዝበዝሖ እዩ። ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ግና፡ ሰጣሕ መሬትን ደሴታትን ኣሎ።

ውቅያኖሳት ንምንታይ’ዮም ዝጠቕሙ?

ውቅያኖሳት ብብዙሕ መገድታት ብህይወት ንምንባር ዘድሊ ነገራት የማልኡ እዮም። ንኣብነት፡ ማይ ሙቐት ናይ ምዕቃብ ክእለት ኣለዎም። ስለዚ ድማ ውቅያኖሳት ከም ሓደ ዓብዪ መዕቈሪ ሙቐት ብምዃን ነቲ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ዝህሉ ዛሕሊ የመጣጥንዎ።ማይ ብኻልእ መገዲ እውን

ብህይወት ንምጽናሕ የኽእል እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ፈሳሲ ንላዕሊ ሓያሎ ንጥረ-ነገራት የሕቅቕ እዩ። መስርሕ ህይወት ብከሚካላዊ ውህደታት ስለ ዝቕጽል፡ ነቲ ዝወሃሃድ ንጥረ-ነገራት ንምሕቃቕን ነቲ ሞለክዩላት ከም ዝተናኸፉ ንምግባርን ማይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ኣብ ህያው ኣካል ዝርከብ ከሚካላዊ ውሁድ፡ ማይ ኣለዎ። ዘ ሲ (ባሕሪ) ዘርእስታ መጽሓፍ “ኵሉ ዓይነት ህይወት ማይ የድልዮ እዩ። ነዚ ማይ እዚ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ኣትክልትን እንስሳታትን እውን ከይተረፈ፡ ዘይሩ ዘይሩ ኻብ ውቅያኖሳት’ዩ ዝረኽቦ” ትብል።ውቅያኖሳት ንሃዋህው ኣብ

ምጽራይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ኣብ ውቅያኖስ ዝርከብ ፕላንክቶን ዝበሃል ደቀቕቲ ኣትክልቲ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብምስሓብ ኦክስጅን ይህብ። ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 70 ሚእታዊት እቲ ናብ ሃዋህው ዝውሰኽ ኦክስጅን ካብቲ ኣብ ውቅያኖስ ዝርከብ ፕላንክቶን’ዩ ዝመጽእ።”ውቅያኖሳት ሕማማት ንምፍዋስ

ዘድሊ ተፈጥሮኣዊ መድሃኒት ይህቡ። ንሓያሎ ዘመናት ካብ ዓሳ ብዝርከብ ነገራት ጌርካ መድሃኒት ክስራሕ ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ጸላም ከብዲ ሓደ ዓይነት ዓሳ ዝርከብ ዘይቲ ንነዊሕ ግዜ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ካብ ዓሳን ካልእ ፍጥረታት ባሕርን ዝርከብ ከሚካላት ንሕማም ኣዝማ ንምሕካም፡ ካብ እተፈላለየ ዓይነት ቫይረስን መንሽሮን ድማ ንምክልኻል የገልግል ኣሎ።ካብ ውቅያኖሳት ዝርከብ ጥቕሚ

ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ንምግማት ጻዕርታት ተገይሩ ነይሩ። ብንጹር ክንድዚ ክበሃል ዘይከኣል እኳ እንተዀነ፡ ተመራመርቲ ነቲ ናይ ምሉእ ዓለምና ማሕበረሰብን ኣከባቢኡን ዘድሊ ነገራት ዳርጋ ኽልተ ሲሶ ኣቢሉ ዝኸውን ካብ ውቅያኖሳት ከም ዝርከብ ይግምቱ። እዚ ባሕሪ ብህይወት ንምንባር ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ተባሂሉ ብዕላማ ኸም እተፈጥረ ዘረጋግጽዶ ይኸዉን!?

“ሓራቓት ሰባት ካብቶም ቀልጢፎም ዘይሓርቁ ሰባት ብድኻም ልቢ ንኽጥቅዑ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኣጋጣሚ ኣለዎም” ብምባል ሓደ ኣብ ጋዜጣ ግሎብ ኤንድ መይል ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ሓደ ንድኻም ልቢ ዝምልከት ንሽዱሽተ ዓመት ዝኣክል እተኻየደ ግምገማ ዳርጋ 13,000 ዝኣኽሉ ሰባት ተሳተፉ። እቲ መጽናዕቲ ኽጅምር ከሎ ኵሎም ተሳተፍቲ ሕማም ልቢ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ተኸታቲሉ ዝሕተት ሕቶታት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀረበሉ እሞ ትሑት፡ ማእከላይ፡ ወይ ድማ ልዑል ኣብ ዝብል ደረጃታት ሕርቃን ተመደቡ። ኣብተን ሽዱሽተ ዓመታት 256 ሰባት ድኻም ልቢ ዘለዎም ኰይኖም

ምኽሪ ንሓራቓት ሰባት

ተረኽቡ። ካብቶም ማእከላይ ደረጃ ሕርቃን ዝነበሮም እቶም 35 ሚእታዊት ንሕማም ልቢ እተቓልዑ ምንባሮም እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኣሎ። እታ ኣብቲ መጽናዕቲ መሪሕ ዝነበረት ዶ⁄ር ጃኒስ ዊልያምስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ካሮሊና ከምዚ ዝስዕብ ትብል፡- “ሕርቃን ውዒሉ ሓዲሩ ሳዕቤን ድኻም ልቢ ኣለዎ፡ እዚ ብፍላይ ነቶም ንቡር ጸቕጢ ደም ዘለዎም ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን የጥቅዖም ኢዩ።” ሓራቓት ሰባት ንውጥረት ክቈጻጸርዎ ዘኽእሎም ሜላታት ብኣጋኦም ክጥቀሙ ኸም ዝግባእ ተመራመርቲ ዝምሕጸኑ እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ ኢዮም። ተጠንቀቑ ሓራቓት!!

n

Page 9: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 9

ኤርምያስ ገብረልዑል ermileul@

gmail.com

መደብ ጸወታ

ሎሚ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ኣስቶን ቪላ - ስዋንሲ 5፡00

ሌስተር - ክሪስታል ፓላስ 5፡00

ኖርዊች - ዌስትብሮም 5፡00

ስቶክ - ዋትፎርድ 5፡00

ዌስትሃም - ቸልሲ 5፡00

ኣርሰናል - ኤቨርተን 7፡30

ላ’ሊጋ

ሴልታቪጎ - ሪያል ማድሪድ 5፡00

ሰረ’ኣ

ፓሌርሞ - ኢንተር 9፡45

ጽባሕ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ሳንደርላንድ - ኒውካስል 3፡00

ቦርንማውዝ - ቶተንሃም 5;05

ማን ዩናይትድ - ማን ሲቲ 5፡05

ሊቨርፑል - ሳውዝሃምፕተን 7፡15

ላ’ሊጋ

ለቫንተ - ሪያል ሶሴዳድ 2፡00

ባርሳ - ኤባር 8፡15

ኣትለቲኮ ማድሪድ - ቫለንስያ 10፡

30

ሰረ’ኣ

ጁቬ - ኣታላንታ 5፡00

ፊዮረንቲና - ሮማ 8፡00

ላዝዮ - ቶሪኖ 8፡00

ኬቮ ናፖሊ 10፡45

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2015

ቅልስ ኣስቤኮን ሰምበልን ዝረኣየሉ ናይ መዛዘሚ ውድድር

ካብ 4 ጥቅምቲ 2015 ጀሚሩ ክሰላሰል ዝጸንሐ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2015፡ ጽባሕ ኩለን ዲቪዥናት ብዝሳተፋኦ ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ኣብ ከባቢ ሲነማ ሮማ ክዛዘም እዩ፣ኣብቲ ዋሕዲ ተቐዳደምቲ ቀዳማይ

ዲቪዥን ዝተራእየሉ፡ ምንቁልቋል ውልቂ ተቐዳደምቲ ከተመዝገብሉ ከምኡ እውን ዘይምስታፍ ክለብ ዞባ ደቡብ ዝነበረሉ ውድድር ሻምፕዮና፡ ተቐዳዳማይ ኣሮን ደብሬጼን ብዝነኣድ ብቕዓትን ውጽኢትን ነቲ ታሪኻዊ ውድድር ኣብ ምምራሕ ይርከብ፣ ካብ ግዜ ንእስነቱ

ምስ ክለብ ኣስቤኮ ዝተጻወተ ምኩር ተቐዳዳማይ ኣሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ውድድራት (ናይ ከተማ፡ በረኻን ናይ ውልቂ ክሮኖሜተርን) ብዘዋህለሎ 37 ነጥቢ እዩ መሪሕነት ቀዳማይ ዲቪዥን ብምሓዝ ናብቲ ጽባሕ ዝካየድ ውድድር ፍጻመ ክሰግር ዝኸኣለ፣ኣሮን፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ መስመር

ኣስመራ - ሕምብርቲ - መንደፈራ - ኣስመራ - ሰይዲቺ - ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 180 ኪሎሜተር ኣድካሚ ጉዕዞ ዘይ ከም እቶም ናይ ቀረባ መወዳድርቱ (ከም ሚኪኤል ሃብቶም - ሰምበልን ወዲ ጋንታኡ ዓወት ሃብቶም . . . ካልኦትን) ራብዓይ ደረጃ ብምሓዙ እዩ ካልኣይ ደረጃ ንዝርከብ በረኸት የማነ ናይ ትሸዓተ ነጥቢ ጋግ ብምንጻፍ ኣብ ተዛማዲ ሩፍታ ክህሉ ዝበቖዐ፣ኣብ ውድድር ክሮኖ ሜተር ውልቂ

ሻውዓይ ደረጃ ብምሓዝ ኣርባዕተ ነጥቢ ጥራይ ዘዋህለለ ኣድሓኖም ዘሚክኤል - ሰምበል፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ በረኻ ውድድር ኣንጸባራቒ ዝኾነ ብቕዓትን ውጽኢትን ኣርእዩ እዩ፣ ኣድሓኖም፡ ዋላ’ኳ ብሚልዮን ኣማኑኤል - ቴለ ተበሊጹ ናይ ካልኣይ ደረጃ እንተሓዘ፡ ብ27 ነጥቢ ምስ ብሊጻት ሰለስተ ተሰሪዑ ናብዚ ውድድር መዛዘሚ ካብ ምእታው ግን ኣይተጸገመን፣ዮናታን ሃይሉን ዳዊት ሃይለን ካብ

ሰምበል ብሓሙስ ነታ ብተቐዳደምቲ ኣስቤኮን ኤሪተልን ዝተባሕተት ቀዳመይቲ ጉጅለ ንምርካብ ዘካየድዎ ጻዕሪ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ዮናታን ሓሙሻይ ደረጃ ምሓዙ ክጥቀስ ይግብኦ፣ ብድምር 25 ነጥቢ ድማ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ፣ ፈላሚ ናይ ቀዳማይ ዲቪዥን ጸወታኡ የሰላስል ዘሎ ዓወት ሃብቶም - ኣስቤኮ፡ ነቲ 21 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ዝርከብ ሚኪኤል ሃብቶም - ሰምበል ብሓንቲ ነጥቢ በሊጹ፡ ብ22 ነጥቢ ሓሙሻይ ደረጃ ብምሓዙ ብብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ክውደስ ተራእዩ፣ ዓወት፡ ኣብ ክልተ መድረኻት ናይዚ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋቱ ብዘዋህለሎ ነጥቢ እዩ ነዚ ደረጃ’ዚ ክሕዝ ዝኸኣለ፣ ብመንጽሩ፡ ዘመንፈስ ሰለሙን - ቴለ

ኣብ ቀዳመይቲ መድረኽ ንዝወረዶ ናይ ምውዳቕ ማህሰይቲ ተጻዊሩ፡ ኣብ ውድድር ክሮኖ ሜተር ካልኣይ ኮይኑ ብምፍጻሙ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ትማሊ ሓሙስ ውድድር ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዙ ደረጃኡ ናብ ሻውዓይ ክብ

ኣቢሉ ይርከብ፣ ብተመሳሳሊ፡ ተቐዳዳማይ ኣስቤኮ

መሓሪ ተስፋጼን ካብ ሕምብርቲ ንመንደፈራ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ናይ ብቕድሚ ትማሊ መድረኽ፡ ብሽክለታ ብምብልሻዉ ተሪፉ ከብቅዕ፡ ንዝተነጽፎ ጋግ ኣጽቢቡ (ሓገዝ ደቂ ጋንታኡ ተስፋይ ምሕረትኣብ፡ ኣኽሊሉ ገብርሂወትን ዮውሃንስ ወልደሩፍኤልን ነይሩ) ንዓባይ ጉጅለ ድሕሪ ምርካብ ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ዓወት ጎሊሑ ይረአ፣ ነጥቡ ድማ ናብ 19 ብምብራኹ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ፣ናብቲ ናይ ጽባሕ ውድድር፡ መርሃዊ

ክብሮም - ጀጋንተ ከምኡ ድማ ዳንኤል ሃይለሚካኤል - ኤሪተል ነፍስ ወከፎም 19 ነጥቢ ብምውህላል ብመዓልቲ ተፈላልዮም ታሽዓይን ዓስራይን ደረጃታት ሒዞም ኣለዉ፣ብጋንታ ኣብ ዝካየድ ቅልስ፡ ኣስቤኮ

ብ112 ነጥቢ ትመርሕ ኣላ፣ እንተኾነ፡ ኣስቤኮ ዘይ ከም ናይ ውልቂ ተቐዳዳማያ (ኣሮን)፡ ኣብዚ ናይ ጽባሕ ጸወታ ሓያል ብድሆ ከምዝገጥማ ርዱእ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ከም ዳዊት ካንቻን ዮናታን ሃይሉን ዝኣመሰሉ ስሙያት ተቐዳደምቲ ሰምበል ምስ ብጾቶም ንዝተነጽፈ ናይ ሰለስተ ነጥቢ ፍልልይ ንምጽባብ ዘየዛኒ ጸዓት ከውጽኡ ብምዃኖም፣ ኤሪተል ብ51፡ ጀጋንተ ድማ ብ30 ነጥቢ እተን ዝስዕባ ጋንታታት እየን፣

ኢንስትራክተር ኤፍ.ኣይ.ቪ.ቢ ንመደባት ፕሮጀክት ስልጠና ኵዕሶ መርበብ ህጻናት ዞባታት ተዓዚቡ

ኢንስትራክተር ስልጠና ዓለማዊ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ (FIVB) ኣሰይድ ኣንዋር ኢስማዒል ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ኤርትራ ብውህደት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ትምህርትን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራን ተካኣቲ ተጻወትቲ ኩዕሶ መርበብ ብብዝሒን ዓይነትን ንምፍራይ ዓሊሙ ንዝካየድ ዘሎ መደባት ስልጠና ተዓዚቡ፣እቲ ኢንስትራክተር ብኣባላት ፈደረሽን

ኩዕሶ-መርበብ ኤርትራ ተሰንዩ ኣብ ከተማታት ኣስመራ፡ ከረን፡ ባረንቱን መንደፈራን ኣብ ዝተመርጻ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ 121-14 ንዝዕድሜኦም ህጻናት ንዝወሃብ ዘሎ ስልጠናታት ተዘዋዊሩ ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ስልጠና ብመሰረት ዝወጸሉ ውጥን ብውህደት ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብጽቡቕ ይሰላሰል ምህላዉን ንመጻኢ ቀጻልነት ዘለዎ ዕቤት ንምርግጋጽ ባይታ ይንጸፍ ምህላዉን

ሓቢሩ፣ ኣብ ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ኤርትራ ኣወሃሃዲ’ቲ መደብ መንእሰይ ሄኖክ ዮውሃንስ ብግደኡ እዚ ንኣስታት 192 ህጻናት ብክልቲኡ ጾታታት ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ንዕቤት’ቲ ዓውዲን ምፍራይ ብሉጻት ተካእትን ዝህልዎ ተራ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ፣ ብመስራቲ መደባት ምምዕባል ተካእቲ ኣብ

ዓለማዊ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ዶ/ር ኣረይ ግራካ Africa Dream-the way to become world champion ብዝብል ፕሮጀክት ዝካየድ ዘሎ እዚ ተካኣቲ ናይ ምምልማል መደብ’ዚ፡ ብዓለማዊ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ፊናንሳዊ ደገፍ እናተገብረሉ ኣብተን መሰረት ስፖርት ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ 2019 ክቕጽል ምዃኑ ካብ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣

ህዝባዊ-ርክባትኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ

ስፖርታዊ ውድድር ክፍልታት ሚኒስትሪ ምክልኻል

ውድድር ጨመተ ተኹሲ ክፍልታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ተኻይዱ፣ እዚ ውድድር ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፍሉይ ዝገብሮ ብክልቲኡ ጾታ ዝተሰላሰለ ምንባሩ እዩ፣

ኣብቲ ሽዱሽተ ጋንታታት ብኽልቲኡ ጾታ ኣብ ሰለስተ ርሕቀት 100፡ 200፡ 300 ሜትሮ እየን ውድድረን ኣካይደን፣ በዚ መሰረት ኣብ 100 ሜትሮ ደ/ኣን ልዋም የዕብዮ ካብ ዒታሮ፡ ሃና ገብረዝጊ ኣብሄር ካብ ሂምቦል፡ ሳሊና ቴድሮስ ካብ ሓሊበት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቀት ደ/ተባ ከኣ ሚኪኤል ሃብተ ካብ ሓሊበት፡ ክብሮም ተስፋጋብር ካብ ሂምቦል፡ ዮናስ ጸሃየ ካብ ኣባሓኒ፥ ኣብ 200 ሜትሮ ደ/ኣን ኣስመረት ገብረማርያም ካብ ሓሊበት፡ ሙዚት ደበሳይ ካብ ኣባሓኒ፡ ወይኒ ተኽለ ካብ ሳቡር። ኣብዚ ርሕቀት ድማ ብደቂ ተባዕትዮ፡ ብእምነት ቢኽረጽዮን ካብ ሂምቦል፡ ኪዳነ ሃብተማርያም ካብ ሳቡር፡ በረኸት ጸጉ ካብ ሓሊበት፥ ኣብ 300 ሜትሮ ደ/ኣን ፍርቱና ክፍላይ ካብ ሓሊበት፡ ሰናይት ስልጣን ካብ ዓራግ፡ ፍረወይኒ ግርማይ ካብ ኣባሓኒ። ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣማኑኤል ኣማንዝጊ ካብ ኣባሓኒ፡ ግርማይ ረዘነ ካብ ሂምቦል፡ ዓንደሚካኤል ጸጋይ ካብ ዒታሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊቶም። ብጋንታ ድማ ሂምቦል፡ ኣባሓኒን ሓሊበትን ቀዳመይቲ፡ ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን ተዓዊተን፣

ዜና ክፍልታት ሚኒስትሪ ምክልኻል

ፌስቲቫል ኵዕሶ እግሪ ህጻናት ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተኻይዱፌስቲቫል ኵዕሶ እግሪ ህጻናት

(ግራስሩት) ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብሰንበት 18 ጥቅምቲ ኣብ ስታድዩም መንደፈራ ብዝተኻየደ ጽምብል ተኻይዱ፣ኣብቲ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ

ደቡብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ መንደፈራ ኣቶ ኣብርሃም ሓጎስ፡ ዳይረክተር ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡብ ኣቶ ኣብርሃም ዮሃንስን ወለዲን ኣብ ዝተረኽቡሉ ዕለት፡ ጸብለልትነት ንዘርኣዩ ሰልጠንቲ ሽልማት ተዋሂቡ፣ ሰልጠንቲ ቈልዑ ድማ ብክለሰ ሓሳብን ግብርን ንዝቐሰምዎ ስልጠና ብመልክዕ ምርኢት ንህዝቢ ኣቕሪቦም፣ኣማሓዳሪ ን/ዞባ መንደፈራ ኣቶ

ኣብርሃም ሓጎስ “እዚ መደብ ዓበይቲ ዕላማታት ዝሓዘ እዩ፣ ደቅና ግዜኦም ኣብ ዘይተደልየ ቦታታት ካብ ምሕላፍ ብስፖርታዊ ድሲፕሊን ተኾስኩሶም ንኽዕብዩ ኣብ ምግባርን ነቲ ንኡስ ዞባና ኣብ ናይ ሊግ ውድድራት ድዩ ሻምፕዮን ክለባት ዘጋጥምና ዝነበረ ዋሕዲ ተጻወትቲ ካብ ዘለና ጸጋታት ብምፍታሽ ንምምላእን ዝሕግዝ እዩ” ክብል ተዛሪቡ፣ ብተወሳኺ፡

ንሱ፡ “መደብ ግራስሩት ህጻናት ካብ’ዚ ዘለዎ ደረጃ ንምዕባይ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚርና ዝጻረዩ እናጻረና ቤት ትምህርቲ ኩዕሶ እግሪ ከፊትና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝቕጽልሉ መንገዲ ክነጣጥሓሎም’ዩ ትልምና” ኢሉ፣ “መደብ ግራስሩት ኵዕሶ እግሪ ቆልዑ

ኣብዚ ንኡስ ዞባ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። እዚ መደብ ስልጠና ንክልቲኡ ጾታ እዩ ዝወሃብ። 60 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 340 ሰልጠንቲ ድማ ይሳተፉ ኣለዉ።” ብምባል መብርሂኡ ዝጅምር ሓላፊ ጨ/ኮሚሽን ስፖርት ንኡስ ዞባ መንደፈራ መምህር ሓድሽ ገብረማርያም እዩ፣ ንሱ፡ ህጻናት ሓሙሽተ ዓይነታት ትምህርቲ፡ ብክለሰ ሓሳብን ግብሪን፡ ምስ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ብዝሳነ መንገዲ ከም ዝወስድዎ ኣረዲኡ፣ሓደ ካብ ኣሰልጣንቲ ናይቲ መደብ

ዝኾነ መም ሳሚኤል ክፍልዝጊ እቲ መደብ ንሰልጠንቲ ህጻናት ኣብ ሰለስተ ክሊ ዕድመ ዝተመቒሉ ከምዝተኻየደ ሓቢሩ፣

ኮስታ . . .ኣብ ሜዳ ብዝፍጽሞም በደላት ስሙ

ምሩር እዩ፣ ዋላ’ኳ ወሓለ ኣእጋሩ፡ ኣብ ቸልሲ ተጠማቲ እንተገበራኦ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ መጋጥምቱ ብዝፈጸሞ በደላት ብምቕጽዑ ግን ኣደዳ መቕጻዕቲ ኮይኑ እዩ - ዲያጎ ኮስታ፣ ንነዊሕ ድሕረ ባይታ ኮስታ ገዲፍና፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ልዕሊ ተጻዋታይ ሊቨርፑል ኤምረ ካንን ናይ ኣርሰናል መዘናኡ ላውረን ኮሸንሊን ጥራይ ዝፈጸሞ በደል ንድምር ንሽዱሽተ ጸወታታት ካብ ሜዳ ክብኩሮ ኣገዲድዎ እዩ፣ኣብ ሜዳ፡ ቁጡዕ፡ ተዅታዅ፡ ነገር ዘምጽእ .

. . ወዘተ ምዃኑ ብዙሓት ይዛረቡ፣ ብቆመናኡ ዝምሰጡ ድማ፡ ብኣንጻሩ “ተቓላሳይ’ዩ” ክብሉ ይምጉቱ፣ ብዝኾነ፡ ትማሊ እቲ እስጳናዊ ኣትቃዒ ምስ ፎከስ ፉትቦል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ “ነቢይ ኣይኮንኩን፣ ኣብ ጠባየይ ዝኾነ ለውጢ ኣይትጸበዩ፣ እቲ ንስኹም ‘ተዅታኵ’ ኢልኩም እትገልጽዎ ጠባይ ዘለዎ ተጻዋታይ ኮስታ እዩ - ኣኸለ” ክብል ተዛሪቡ፣ ኣብ ብራዚል ዝተወለደ ወዲ 27 ዓመት ኮስታ፡ ኣብ ሓምለ 2014 እዩ ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ናብ ስታንፎርድብሪጅ ተሰጋጊሩ፣ ንሱ፡ ክለቡ ቸልሲ ተዓዋቲት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ከምኡ እውን ዋንጫ ሊግ (ካፒታል ዋን) ከተልዕል ድማ ዓቢ እጃም ነበሮ፣ዓላሚ ማንቸስተር ሲቲ ማኑኤል ፐለግረኒ

ከምኡ እውን ናይ ኣርሰናል - ኣርሰን ቨንገር ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ ብዛዕባ እቲ ኣጥቃዒ ተዛሪቦም እዮም፣ ‘ኮስታ፡ ሕማቕ ኣርኣያ ንህጻናት ተጻወትቲ ኵዕሶ እዩ’ ዝብል ድምራዊ

ሓሳብ ኣለዎም፣ ዓላሚ ሃገራዊት ጋንታ እስጳኛ ቪንሰንት ደል ቦክስ ድማ ድሕሪ ዓወት ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል (2ብ0 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ)፡ ‘ጠባይ ኮስታ ባህ ዘብል ኣይኮነን’ ክብል ተዛሪቡ፣“ብርሱን ስምዒት ኢየ ዝጻወት -

ብዘይቀልዓለም ብወኒ፣ ጸወታ ዝጅምረሉ ፊስካ ምስ ተነፍሐ፡ ሃመይን ቀይበይን ኣብ ጸወታ እዩ፣ ነታ ዝተሰለፍኩላ ክለብ ምሉእ ዓቕመይ ምብርካት፣ ስለዚ፡ ኣብ ዝኾነ ፍጻመ ጋንታይ ንኽትዕወት ዝተሰምዓኒ ክፍጽም ግዴታይ እዩ፣ ኪንዮ እዚ፡ ኣነ ክንፊ ዘለዎ መልኣኽ ኣይኮንኩን” ይብል ኮስታ፣ኣብ ዓመተ ስፖርት 2014/’15፡ 20 ሸቶታት

ንቸልሲ ዘመዝገበ ኮስታ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ግና ኣይግድን - ሰለስተ ሸቶታት ጥራይ እዩ ኣበርኪቱ፣ ንሱ፡ ባህሊ ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ከምዘይለመዶን ንናይ እስጳኛ ድማ ከምዝናፍቖን የረድእ፣“ኣብ እስጳኛ፡ ምስ እትብድል እቲ ጉዳይ

ኣብ ሜዳ ይውዳእ - ትመዓድ፡ ብጫ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብቀይሕ ትባረር፣ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ባህሊ ኵዕሶ እግሪ ግና ኣይርድኣንን፣ ኣብ ሓደ ዓውዲ በበይኑ ፍልስፍና ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ፣ በዚ ባህሊ ኣየማርርን፣ ምኽንያቱ፡ ክለምዶ ግዴታይ ስለዝኾነ” ይብል ምስ ክለባት ሴልታቪጎ፡ ኣልባሳተን ራዮ ቫለካኖን ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ዝተጻወተ ኮስታ፣ሻምፕዮን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ - ቸልሲ፡

ሎሚ ካብ ሜዳኣ ወጺኣ ምስ ዌስት ሃም

ክትገጥም እያ፣ እዛ ኣብ ሰሌዳ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝኣመበል 12 ደረጃ ሒዛ እትርከብ ጋንታ፡ ካብ መራሒት ናይቲ ውድድር ብ10 ነጥቢ ትሒታ ትርከብ፣ በዚ ድማ ቸልሲ፡ ነቲ ደረጃኣ ንኸተበርኽ ነፍስ ወከፍ እተካይዶ ግጥም ኣዝዩ ከገድሳ እዩ፣ ኣብዚ ግጥም’ዚ፡ ቸልሲ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ

ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ብሰንኪ ማህሰይቲ ዝኸሰረቶም ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ፔድሮን ኣጥቃዒ ረሚን ከተሰልፎም ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ፣ ጉዳይ ናይቲ ኣብ መጉዳእቲ ዘሎ ኢቫኖቪች ለውጢ ከምዘይረኣየ ይግለጽ፣ ብወገን ዌስት ሃም፡ ተኸላኻሊ ዊንስተን

ሬይድ ኣብዚ ጸወታ ብሰንኪ ማህሰይቲ ኣይክህሉን እዩ፣ ቪክቶር ሞሰስ እውን ዋንነቱ ናይ ቸልሲ ብምዃኑ ኣንጻር ኣደ ክለቡ ክስለፍ ሕጊ ስለዘየፍቅደሉ ኣብዚ ግጥም ህልው ኣይክኸውንን፣ኣብ ሰሌዳ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ 17

ነጥቢ ዘዋህለለት ዌስት ሃም ራብዐይቲ ትርከብ፣ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ብዝተመዝግበ ስታትስቲክ፡ ዌትሃም ንቸልሲ ናይ ምብዳህ ተኽእሎ ከምዘለዋ ይትንተን፣ ይኹን እምበር፡ ዌስት ሃም ኣብ ሜዳኣ ካብ ዘካየደተን ኣርባዕተ ጸወታታት ሓንሳብ ጥራይ ብምዕዋታ፡ ደገፍታ ቀሲኖም ሞራል ከይህብዋ ካብ ዘስግእ ነጥቢ ብቐዳምነት ይጥቀስ፣ ብተወሳኺ፡ ዌስት ሃም ኣንጻር ቸልሲ ኣብ ዘካየደቶ 18 ጸወታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ሓንሳብ ጥራይ ምዕዋታ፡ እቲ ካልኣዊ ነጥቢ እዩ፣

Page 10: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 10

ዳሃብ ዳዊት - ቤተልሄም ታደሰ

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲጓዕዳድ

ወ/ሮ ጸሃይቱ ገለ መዘንግዕ፡ ውላደይ ፈትለወርቅ ለቃል ገብረሚካኤል ስለዝሞተት፡ ብዘይካይ ካልእ ወራሲ ከምዘይብላ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/11/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ወኪድባወ/ሮ ሕርይቲ ዓንዳይ ገረማርያም፡ ወለድና ዓንዳይ

ገረማርያምን ወ/ሮ ባህጉ ጎደፋን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ

1 ሓወይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/11/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ንፋስ

ወ/ሮ ግደይ ኣርኣያ ወልደስላሴ፡ ኣቦና ኣቶ ኣርኣያ ወልደስላሴ ገብራትን ኣደና መድህን ገብረማርያምን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይን 1 ተተካኢ ወዲ መዋቲ ሓውናን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/11/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 11: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 11

INTERNAL/EXTERNAL VACANCY ANNOUNCEMENT # 15/

VN/02The Representation Office of the United Nations High Commissioner for

Refugees (UNHCR) invites qualified Eritrean Applicants for the following position based at the Representative Office in Asmara, Eritrea.

Title of Post Assistant Program Officer Grade NOA/P1

Post Number 10004076 Date of Issue 25 Spt 2015

Location Representation Office, Asmara

Closing Date 11 Oct 2015

Operational ContextUnder the direct supervision of the Associate Admin/ Programme Officer, the incumbent of the position will handle complex UNHCR Program Management issues that will include the planning and implementation of UNHCR Eritrea Refugee program initiative’s in close collaboration with the sole Implementing Partner in the country, the Office of Refugee Affairs (governmental), under the Department of National Immigration. A great detail of the program will cover programmatic issues related to the Umkulu (Somali) Refugee Camp, located close to Massawa city in the Northern Red Sea Region.

Incumbent in the tasks associated with the position will be the ability to develop project proposals and budgets; represent UNHCR at different fora involving various stakeholders and, streamline assistance programmes to the beneficiaries in the country.

In addition, the applicant is required to have already had extensive proven experience in managing different organization programmes at a managerial level and the ability to guide the implementation of projects, in line with donor requirements and demands, as well as the ability to follow through the organization mandate. The applicant would also need to have a basic conceptual knowledge of the operational environment in Eritrea, be dynamic and, able to take higher responsibilities progressively. The applicant will be required to supervise one Programme Assistant staff in the unit and any national program consultant that may be hired temporarily.

External contacts are predominantly with persons on subject matters of importance to Organization’s programme (e.g. counterparts in other organizations or at working level in national Governments).

Accountability (key results that will be achieved)

- The needs of persons of concern in the country are assessed and analyzed in a participatory manner and using an Age, Gender and Diversity (AGD) perspective to form a firm basis for planning.- IP agreements are established in a timely manner, regularly monitored and reported on in compliance with established guidelines and procedures.

Responsibility (process and functions undertaken to achieve results)

- Through a consultative process within the country and field visits, stay involved in the development of the strategies, methodologies, contingency plans that respond to new and emerging operational challenges for the country.- Provide inputs for developing the country operations plan for overall compliance with global strategic priorities and regional priorities as well as with annual programming/planning instructions.- Assist in organizing a consultative process to ensure a consistent application of the organization’s criteria and policies for the selection of implementing and operational partners.- Assist in managing the development of a broad network of partners, good coordination practices and the development of partner capacities.- Undertake proper collection, monitoring and use of baselines, standards and indicators needed to measure and analyze UNHCR’s performance, trends and target interventions. - Undertake field visits to evaluate and improve the planning, programming, implementation and monitoring of assistance projects. - Assist in implementing the establishment of sound monitoring processes, in reviewing final reports and on progress in order to advise on any corrective actions required or the need for additional resources to reach planned target levels.- Apply UNHCR’s corporate tools (e.g. Global Focus, Focus Client) to record data and assess the technical soundness of the operation and generate data for evidence -based decisions at the country level.- Assist in keeping donor representatives briefed on developments and assist in the development of funding submissions, appeals and reports.- Assist in monitoring compliance to the organization’s resource allocation framework, providing support and taking corrective action where required.- Assist in ensuring compliance in issuance of audit certificates for Implementing Partners.- Monitor the implementation of IP Risk Management techniques and tools.- Performs other duties as required.

Authority (decisions made in executing responsibilities and to achieve results)

- Provide inputs for the country operations plan (including budgets, staffing levels and structures) as well as prepare inputs for funding submissions, appeals and reports.- Enforce compliance with UNHCR’s global strategies, protocols and guidelines.

Essential Minimum Qualifications and Experience- University degree or equivalent in Business Administration, Law, Economics, Social Science or related field- Previous job experience: 2 years of previous job experience relevant to the function. In an international. Capacity: 1 year.- Excellent knowledge of English and working knowledge of another UN language.

Desirable Qualifications & Competencies- Completion of specific training relevant to functions of the position- Knowledge of UNHCR financial rules, procedures and processes

- Knowledge of another relevant UN language- Knowledge of UNHCR specific programmes (MSRP, Focus, etc.) - Computer skills (in MS office)

Submission of Applications- This vacancy is open for qualified Eritreans ONLY. - National Service: Candidates should provide certificate of completion/exemption from National Service. - Female candidates are encouraged to apply.- Staff members who wish to be considered for this position should send their application letter to: The Human Resources Section, UNHCR Asmara and attach Personal History Form (P.11). Please quote Reference # 15/VN/02Late applications will not be considered.Please remember to submit photocopy/scanned copies of all supporting documents. Documents submitted shall not be returned to the applicants. Due to the volume of applications only short listed candidates will be invited for interview. EXTERNAL CANDIDATES Candidates should also complete a Personal History form (P.11) available on the following link -http://www.unon.org/docs/P11.doc and attach it to their application for the position. Applications should be sent to postal address, [UNHCR Office, Meteten St.1A754 House 35; P.O Box 1995, Asmara, Eritrea] or hand delivered to UNHCR Branch Office.Please quote Reference: IVN/EVN/KEN/DDB/15/019.Candidates should also submit copies of academic Certificates from the relevant institutions.Refugees – who cares? We Do!UNHCR

ተኸፋቲ ማዕጾ ዘለዋ ብዓይነታ ፍልይቲ መጽሓፍ

ብቀሊል መገዲ ፊደላት ኢንግሊዝ

ንኽመልኩ

ይጠቐሙ!

ሕብራዊን ብቐሊሉ ዘይቅደድን ተሪር ወረቐት

ኣዳላዊ መም.ሙሴ ምሕረትኣብ ቴለ.07492060

ሓጋዚት መጽሓፍ ምስ ምጅማር ትምህርቲ

Page 12: “መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባር ጋዜጣዊ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdfሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015

ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2015 - ገጽ 12

ቅድሚ ኣዝዩ ነዊሕ ዘመናት ሓደ ንጉስ ምስ ንግስቱ ኣብ ሓደ ዓቢ ግምቢ ይቕመጥ ነበረ። እዞም ንጉስን ንግስትን ትሽዓተ ቘልዑ ነበርዎም። እቲ ንጉስ ብዙሓት ምውላድ ይፈቱ ስለ ዝነበረ ንሰበይቱ፡ “ነዞም ደቅና ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ፡ ሸውዓተ፡ ሸሞንተ፡ ትሽዓተ፡ እናበልና ንስመዮም፡” በላ ደቁ ክበዝሑሉ ካብ ምምናይ ዝተላዕለ። ንግስቲ ድማ ምስ ሓሳብ ንጉስ ተሰማምዐት። ድሕሪ ግዜ ድማ እቶም ቈልዑ ጐበዙ’ሞ ልኡላት ኰኑ።እዞም ልኡላት ንግሆ ምስ ኰነ

በብያትኦም ሒዞም ናብ ክሽነ ብምኻድ ይቘርሱ ነይሮም። እቲ ኣብ ክሽነ ዝነበረ መጋባይ ድማ ስሞም እናሓተተ’ዩ መግቦም ዝህቦም። ብጽሒቶም ድማ ሓደ 1 ኣራንሺ፡ ክልተ 2 ቸኮላታ፡ ስለስተ 3 ካራሜላ፡ ኣርባዕተ 4 ማንጉስ፡ ሓሙሽተ 5 ባናና፡ ሽዱሽተ 6 ብሽኮቲ፡ ሸውዓተ 7 ዘይቱን፡ ሸሞንተ 8 ፓስተ፡ ትሽዓተ ድማ 9 ቶርታ ነበረ።እቶም ልኡላን ቁርሶም በሊዖም

ምስ ወድኡ ኩላቶም ሓቢሮም ይጻወቱን ናብ ጀርዲን ከይዶም ይሰርሑን ነበሩ። ከምዚ እናበሉ ድማ ነዊሕ ሕጉስ እዋን ኣሕለፉ። ደሓር ግን ሓደ ቈልዓ ተወልደ፡ ንጉስን ንግስትን ድማ ከም ኣመሎም ተሓጐሱ። ስም ኣብ ምውጻእ ግን ሽግር ተፈጥረ። “ነዚ ቘልዓ መን ክንብሎ ኢና?”

ሓተተ ንጉስ ንንግስቲ። “ኣንታ ሓቅኻ፡ ኩሉ ኣስማት

ወዲእናዮ ደኣ መን ኢና ኽንብሎ?” በለት ንግስቲ።ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ግን ንጉስ

ሓንቲ ሓሳብ መጻቶ። ንንግስቱ ድማ “ነዚ ቘልዓ ባዶ ኢልና ንጸውዓዮ፡” በላ።ንግስቲ “ግርም” በለት

እናተሓጐሰት። ባዶ ክሳብ ሽዑ ኣይተጠቕሙላን ነይሮም።ባዶ ምስ ኣሕዋቱ ናብ ክሽነ

ክቖርስ ምስ ከደ እቲ መጋባይ “መን ስምካ?” ይብሎ። ስሙ

ምስ ነገሮ ድማ ዋላ ሓንቲ ነገር ይህቦ ኣይነበረን። እቲ ቘልዓ “ባዶ’ዩ ስመይ፡” ኢሉ ብዓውታ ይማጎት። እቲ መጋባይ ግን “እሞ ባዶ እንተ ዀይኑ ስምካስ ዝዀነ ነገር ኣይትወሃብን ኢኻ፡” ብምባል ኣቕበጾ። በዚ ምኽንያት ድማ ባዶ ኣዝዩ ዕባራ ዀይኑ። ንጉስን ንግስትን በዚ ኹነታት

ሓረቑ። ብዙሕ’ውን ሓሰቡ። ሓደ መዓልቲ በቲ ቘልዓ ሕስብ ኣምስዮም ንጉስ ናብ መደቀሲኡ ክኸይድ እንከሎ ንግስቲ፡ “ሓንቲ ጽብቕቲ ሓሳብ መጺኣትኒ ኣላ፡” በለቶ። ንሱ ድማ ሓሳባ ጽን ኢሉ ንኽሰምዕ ኣብ ጐና ኾፍ በለ። “ሓደ ካብቶም ካልኦት ደቅና ጸዊዕና ምስ ባዶ ዀይኑ ናብ ክሽነ ከም ዝኸይድ ንግበር። ሕጂ ብሓደ ንጀምር። ንሓደ ምስ ባዶ እንተ ሰዲድናዮ ናይ ሓባር ስሞም 10 እዩ ክኸውን። ስለዚ ድማ ባዶ ወድና ብዙሕ ዝብላዕ ኽረክብ’ዩ፡” ብምባል ሓሳባ ኣፍሰሰት። ንጉስ ንሓሳባት ንግስቲ ብሓጐስ ተቐበሎ። ንሓደ ጸዊዑ ድማ “ምስ ባዶ ናብ ክሽነ ኺድ” በሎ። “ነቲ መጋባይ ናይ ክልቴኹም ስም ሓዊስኩም ንገርዎ።”ሓደ፡ “ሕራይ” ብምባል

ብዝተባህሎ መሰረት ናብ ባዶ ሓዉ ከደ። ክልቲኦም ተታሓሒዞም ከኣ ናብ’ቲ መጋባይ ከይዶም። እቲ መጋባይ፡ “መን ስምኩም?”

ብምባል ሓተተ። ንሳቶም ድማ “ዓሰርተ(10)”

ኢሎም መለስሉ።ሽዑ እቲ መጋባይ ብስም ዓሰርተ፡

10 ተምሪ ሃቦም። ሽግር ናይ ልኡል ባዶ ድማ ብኸምዚ ተፈትሐ። ብድሕሪ’ዚ እታ ስድራ እንደገና ብሓጎስ ክትነብር ጀመረት ።ሕቶታት ካብ ዛንታ1. ንጉስን ንግስትን ክንደይ

ውሉዳት ነበርዎም? ጠቕላላ ብዝሒ ናይታ ስድራኸ ክንደይ’ዩ?2. ቁርሲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቁልዓ

እንታይ ነበረ?3. ካብዞም ኣብዛ ዛንታ ዘለዉ

እቲ ልኡል ባዶ

ኣብ ባዶ ቦታ ዝምድናታት ምልኡ

1. ንኣቦይ ሓብቱ እያ።2. ንኣደይ ሓብታ እያ።3. ንኣቦይ ኣደኡ እያ።4. ንኣደይ ሓዋ እዩ።5. ሰለሙን ንኣቦይ ሓዉ እዩ። ኤርምያስ ከኣ ወዲ ሰለሙን’ዩ። ስለ’ዚ

ሰለሙን እዩ።

መም/ ዮናስ ብርሃነካብ S.K.S ኣስመራ

ንቘልዑ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንገረሎም ከም ዘለና ንዘክር። ምኽንያቱ ቈልዓ ነጸብራቕ ቁልዕነት’ዩ። ሓደ ቘልዓ እንተ ደኣ ኣብ ናይ ተግሳጽ ሃዋህው ዓብዩ፡ ኩነኔ ይመሃር።ኣብ ናይ ተጻብኦ ሃዋህው እንተ ዓብዩ፡ ተባኣሳይ ይኸውን።ብምንእኣስ እንተ ዓብዩ፡ በርጋግ ይኸውን።ብናይ ምድሃል ኩነታት እንተ ሓሊፉ ገበነኛ ዝዀነ ኰይኑ ይስሞዖ።ኣብ ምትብባዕ ዝበዝሖ ሃዋህው እንተ ዓብዩ፡ ርእሰ-ተኣማንነት የጥሪ።ኣብ ናይ ኣድንቖት ሃዋህው እንተ ዓብዩ፡ መጓሲ ይኸውን።ቅንዕና እናረኣየ እንተ ዓብዩ፡ ፍትሒ ይመሃር።ኣብ ናይ ጸጥታ ሃዋሁው እንተ ዓብዩ፡ እምነት የሐድር።ኣብ ናይ ተቐባልነት ሃዋሁው እንተ ዓብዩ፡ ኣብ ገዛእ-ርእሱ እወታዊ

ኣረኣእያ የሕድር።ኣብ ናይ ዕርክነት ሃዋህው እንተ ዓብዩ፡ ኣብ ዓለምና ፍቕሪ ከም ዘሎ

ይኣምን።ተጻዋርነት ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ እንተ ዓብዩ፡ ዓቃል ይኸውን።

መም. ስእሎም ተመስገንምንጪ- Dorthy law note ፡ Manual for Early child care and

development.

መልእኽቲ ናብ ወለዲ

ቁጽሪኣስተብሂልኩምዶ ትፈልጡ ዝዀነ ቁጽሪ ምስ ግምጣል ናቱ (ንኣብነት 12

ምስ 21፡ 45 ምስ 54) እንተ ደኣ ተደሚሩ ካብ ድሕሪት ንቕድሚት ወይ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት እንተ ኣንበብካዮ ፍልልይ ከም ዘየምጽእ? በሉ ነዚ ሓሳብ ኣብነት ኣሰኒና ኽንርእዮ ኢና።ኣብነት ቁጽሪ 1. 65 ከም ሓደ ቁጽሪ ንውሰዶ። ናቱ ግምጣል 56 እዩ። 65 + 56 = 121 65 ምስ 56 ምስ ደመርናዮ 121 ሂቡና። 121 ድማ

ብኽልተ ሸነኹ ቁጽሪ ሓደ ኣብ ማእከል ድማ ቁጽሪ ክልተ ኣለውዎ። ስለዚ ካብ ጸጋም ናብ የማን (በቲ ልሙድ ኣገባብ) ወይ ካብ የማን ናብ ጸጋም (ዘይ ልሙድ) እንተ ኣንበብናዮ ለውጢ ኣየምጽእን። ኣብነት ቁጽሪ 2. ቁጽሪ 132 ድማ ንውሰድ። ግምጣል ናቱ 231 እዩ።

ንኽልቲኦም ደሚርና ዝመጻልና ቑጽሪ ንቕድሚትን ንድሕሪትን (ንየማንን ንጸጋምን) ሓደ ዓይነት እዩ ኽንበብ ዘለዎ።132 + 231 = 363 ኣብነት ቁጽሪ 3. እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ክልተ ኣብነታት ሓንሳብ ምስ

ደመርናዮም እዮም እቲ ዝድለ ውጽኢት ሂቦምና። ካልኦት ቁጽርታት ግን እቲ መስርሕ ምድማር መመሊስና ምስ ደገምናዮ ይምጽኡልና። ንኣብነት ቁጽሪ 57 ንውሰድ። ናቱ ግምጣል 75 እዩ።57 + 75 = 132 ሕጂ መልስና ነቲ ውጽኢት ምስ ግምጣሉ ንደምሮ።

ናይ 132 ግምጣል 321 እዩ። ስለዚ 132 + 231 = 363 ኣብዛ ሳልሰይቲ ኣብነት ውጽኢትና ኣብ ካልኣይ ደረጃ መስርሕ ምድማር

እዩ ኽመጻልና ክኢሉ። ስለዚ ዝዀነ ቁጽሪ ምስ ግምጣል ናቱ እንተ ተደሚሩ ኸምኡ ዓይነት ባህሪ

ከምዘለዎ ንርዳእ። ካብዛ ኣብነት ተበጊስኩም ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ ስደዱ። እቲ ውጽኢት ድሕሪ

ክልተ ሰለስተ ምድማር ዝመጽእ እንተ ዀይን ብፍላይ ተመራጽ’ዩ።

መልሲ ፍለጡለይ

1. መፍተል2. ኲናት(ዛብያ)3. ኩዕንቲ4. መሸላ5. መንገዲ6. (ተምሃሪት ፈበን ደበሳይ

ቤ/ት 2ይ ደረጃ እምነት ምስዮን ደቀምሓረ)

ቈልዑ ንስኹም መን እንተ ትዀኑ ደስ ምበለኩም? ስለምንታይ?4. እቲ መጋባይ ብኸመይ ነቶም

ቈልዑ መግቦም ይህቦም ነበረ?5. ውላድ ንጉስ እንታይ ኢልና

ንጽውዖ?6. ልኡል ባዶ እንታይ ሽግር ረኸበ?

ብኸመይከ ሽግሩ ተፈትሓሉ?7. ብዛዕባ ስም ካብ ዝጠቕሱ

ምስላታትና እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ መጽሓፍ principe zero

ሰናይ ጸጋይ ቤ/ት ጥልያን

ስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤት