Top Banner
ገራዚቶ ሕቶታት፡ መልሲን ብሂልን ብዛዕባ ኣካለ-ድንግልናን ድንግልናን
28

ገራዚቶ - RFSU

Mar 14, 2023

Download

Documents

Khang Minh
Welcome message from author
This document is posted to help you gain knowledge. Please leave a comment to let me know what you think about it! Share it to your friends and learn new things together.
Transcript
Page 1: ገራዚቶ - RFSU

RFSU | Box 4331 | 102 67 STOCKHOLM | [email protected] | www.rfsu.se

ዋጋ

10፦ ገራዚቶ

ሕቶታት፡ መልሲን ብሂልንብዛዕባ ኣካለ-ድንግልናን ድንግልናን

Tigr

inja

Page 2: ገራዚቶ - RFSU

ጽሑፍ ኣርአፍአስዩምርግጋጽ ጭብጥታት ሌና ማርዮንስን ኦሳ ኢነርቪክንውጥንን ስእልን ኤቫ ፋልስትሮም ኣርአፍአስዩሕትመት Brandfactory AB 2019ISBN 978-91-984936-1-0

ንሂወት ደቒ ሰባት ንምቕያርን ንምምሕያሽን ኩነታት ምፍጣር ካብ ኣብ 1933 ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ዕላማ ናይ ኣርአፍአስዩ እዩ። ኣርአፍአስዩ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዘይብሉን ዕላማኡ ድማ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኰሰን ክፉት ኣጠማምታ ማሕበራዊ-ህይወትን ጾታዊ ሕቶታትን ንምዝርጋሕ ዝነጥፍ ፍጹም ውዳበ እዩ። ኣርአፍአስዩ ብመገዲ ጾታዊ መብርሂታት፣ ትምህርትታትን ምምዕባል ርእይቶታትን ኣቢሉ ኣፈላላይ ከወግድ ፣ ፍልጠትን ጾታዊ ጥዕናን ኣብ ሽወደን ከምኡ እውን ኣብ ኣህጉር ከዕቢ ይደሊ። ኣርአፍአስዩ ካብ ናጻነት ከም ዝደለኻዮ ምዃን፣ ናጻነት ምምራጽ፣ ናጻነት ምድሳት ዝተበገሰ ናጻን ፍትሓውን ኣረኣእያ ኣብ ጾታዊ ጉዳያት ኣለዎ። ካብ ኣርአፍአስዩ ኣቕሓ እንተገዚእካ፣ ወዲ ማሕበር እንተኾንካ፣ ብሓባር እንተሰሪሕካ ወይ እንተደጊፍካ ንዝቕጽል ምቕያር ሂወት ደቂ ሰባት ትሕግዝ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ኣርአፍአስዩ ናይ ማሕበር ውዳበ እዩ። ወዲ ማሕበር ክትከውን ትደሊ’ዶ?ኣብ www.rfsu.se/medlem ኣመልክት። ብዛዕባ ስርሓት ኣርአፍአስዩ ዝያዳ ኣብ www.rfsu.se ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

Page 3: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

3

ገራዚቶሕቶታት፡ መልሲን ብሂልን ብዛዕባ ኣካለ-

ድንግልናን ድንግልናን

Page 4: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

4ገራዚቶ ከመይ ክመስል ከም ዝኽእል ሓደ ሓደ ኣብነታት።

Page 5: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

5

ገራዚቶ

እቲ ኣካለ-ድንግልና ዝብል ቃል፡ ንብዙሕ ብሂልን ዘይምርድዳእን

መበግሲ ኾይኑ እዩ። ብቐዳምነት ናይ ርሕሚ ክፍተት ኣብ ፈለማ

ጾታዊ ርክብ ገለ ነገር እንተ ኣትይዎ፡ ንኣብነት መትሎ ብዝጭደድ

መምብራና ከም ዝሽፈን ዝህብ እምነት ስለ ዝህብ እዩ። እዚ

ሓቂ ኣይኮነን። ዝኾነ መምብራና የለን። ኣርአፍአስዩ ጌጋ ርድኢት

ከወግድን፡ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዝኾነ ፍልጠትን ጭብጥን

ክዝርግሕ ይደሊ።

”ገራዚቶ” እንታይ ብቐጥታ ቅድሚ ክፍተት ርሕሚ ዝርከብ

ነገር ከም ዘሎ ብዝበለጸ ይገልጽ። ገራዚቶ ብልክዕ ክፋል ናይ

ክፍተት ርሕሚ ኮይኑ ካብኡ ፈሊኻ ክትሪኦ ድማ ኣጸጋሚ እዩ።

Page 6: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

6

ገራዚቶ ኣበይ ይርከብ ከመይ’ከ ይመስል?ገራዚቶ ኣብ ጫፍ ዙርያ ክፍተት ርሕሚ ዝርከብ ዕጥርጥር

ዝበለ ልፋጫዊ መምብራና እዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ

ምስሊ ኣለዎ - ልክዕ ከም ጫፋት ኣእዛን፣ ኣፍንጫ ወይ ከንፈር

ብልዕቲ ዝመስሎ፡ ገራዚቶ- ዝተፈላለየ ዓቐን፣ ሕብርን ቅርጽን

እውን ኣለዎ። ገራዚቶ ብዝተዓጽፈ ወይ ዝተዘርግሐ ልፋጫዊ

መምብራና ዝቖመ እዩ። ሃሳስ ሮዛ፣ ዳርጋ ኣሕሊፉ ዘርኢ እዩ፡

እንተ ድኣ ረጉድ ኮይኑ ግና ጽልም ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ኣብ

ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ክፍተት ርሕሚ ተመጣጢን ከም ሞላ

ተዘርጋሕን እዩ። ኣብ ህጻውንቲ ናይ ርሕሚ ክፍተት ዝነኣሸ ኮይኑ

እቶም ጫፋቱ ተላጊቦም ዝዓበዩ ክኾኑ ይኽእሉ፣ ኣብ ግርዝውና

ምስ በጽሐት ግና ይዓብን ዝያዳ ተዘርጋሕን ይኸውን።

ኣብ ውሑዳት ኣጋጣሚታት ምራቓዊ መምብራና ንገለ ክፋል

ወይ ንምሉእ ናይ ርሕሚ ክፍተት ሸፊኑ ይርከብ። ደም-ጽግያት

ምውጻእ ከጸግም ስለ ዝኽእል ናብ ናይ ማህጸን ክኢላ ብምኻድ

Page 7: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

7

ስጉምቲ ክውሰድ ከድሊ ይኽእል ይኸውን እዩ። ብርሕሚ ቈልዓ

ምስ ትወልድ ትርኢት ናይ ርሕሚ ክፍተት ይቕየር እዩ። ንደገ

ይዝርጋሕ ናይ ገራዚቶ ትርእይቲ ድማ ዝጎደለ ክኸውን ይኽእል

እዩ። ኣብ ናይ ርሕሚ ክፍተት ዝርከብ ልፋጫዊ መምብራና፣

ገራዚቶ፣ ካብ ኣብ ግዜ ምምዕባል ኣካላት ዕሸል ዝተረፈ ክፋል

እዩ፣ ዋላ ሓደ ጥቕሚ ድማ የብሉን።

ኣብ ”ቀዳማይ ግዜ” ቃንዛ ይገብር’ዶ?እቲ ርሕማዊ ጾታዊ ርክብ ቀዳማይ፣ ካልኣይ ወይ ዓስራይ

ግዜ ይኹን ብዘየገድስ ክትድሰቲን ንኽትክእሊ፡ ኣብ ስምዒት

ክትህልውን ዝለስለስክን ክትኮኒ (ዝጠልቐየ ርሕሚ) የድሊ።

ናይ ጾታዊ ርክብ ድልየት እንተ ዘይብልኪ፣ ኣብ ወጥሪ እንተለኺ

ወይ ክትዛነዩ እንተ ዘይክኢልኪ ቃንዛ ክገብር ይኽእል እዩ። ኣብ

ከምዚ ኩነታት እቲ ጾታዊ ርክብ ቀዳማይ ካልኣይ ወይ ዓስራይ

ግዜ ይኹን ኣየገድስን እዩ።

Page 8: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

8

ጉድበ ኣብ ጾታዊ ስምዒት ምልዕዓልን ምድሳትን ኣየናይ ኣበርክቶ

ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ርእሲ ጉድበ ንኣብነት ኣሽሓት

ስምዒታውያን ጫፋት ናይ መትኒ ኣለውዎ፣ እዚ ካብ ኣብ ካልኦት

ክፋላት ኣካላት ወዲ ሰብ ዝበዝሐ እዩ። እዚ ተኣፋፍነት እዚ

መግለጺ ናይ ምድሳት ዝበዝሓ ደቂንስትዮ ብምትንኻፍ ጉድበ

እዩ። ኣብ ግዜ ምልዕዓል ስምዒት ኣብ ከንፈር ብልዕቲ፣ ጉድበ፣

ጫፋት ናይ ርሕማዊ ክፍተት ዝርከብ ወተርቲ ዋሃዮታት ብደም

ይመልኡ። ርሕሚ ይገፍሕን፣ ይዓሙቕን ዝጠለለ’ውን ይኸውን።

እዚ ዝያዳ ጥልቓየ እዚ ምልስላስ ይበሃል።

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ጉድበ ኣብ ናይ ኣርአፍአስዩ ግብራዊ ጾታዊ

ርክብ ጉድበ ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ልፋጫዊ መምብራና ክምጠጡ ከለው፣

ንኣብነት ታምፖንግ ምስ ትእትውሉ፣ ኣብ ርሕሚ ገለ ነገር

Page 9: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

9

ደጋዊ ሽፋን ጉድበ

ጉድበ

ኣፍ መትረብ ሽንቲ

ገራዚቶ

ደጋዊ ከንፈር ብልዕቲ

ውሽጣዊ ከንፈር ብልዕቲ

ኣፍ ርሕሚ

Page 10: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

10

ብምእታው ግብረ ሕብእ ኣብ ትገብርሉ ወይ ርሕማዊ ጾታዊ

ርክብ ኣብ ትፍጽምሉ ግዜ፣ ቀጭ ቀጭ ዘብል ቃንዛ ክስምዓኪ

ይኽእል እዩ። እዚ ቃንዛ ዝገብር ዘሎ ንእሽተይ ነቓዕ ኣብ

ልፋጫዊ መምብራና ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን

ቁሩብ ክደሚ ይኽእል እዩ፡ የግዳስ ዘይልሙድ እዩ።

Page 11: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

11

Page 12: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

12

ኣብ ”ቀዳማይ ግዜ” ይደሚ`ዶ?እተን ዝበዝሓ ኣብ ቀዳማይ ግዜ ገለ ነገር ኣብ ርሕሚ ዘእትዋሉ፡

ኣይደምያን እየን። ገራዚቶ ከመይ ከም ዝመስል ብዘየገድስ፡

ካብ ፍርቂ ዝውሕዳ ኣዋልድ ጥራይ እየን ኣብ ቀዳማይ

ርሕማዊ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማሉ ግዜ ዝደምያ። ካብተን ዝደምያ

ውሑዳት ጥራይ ብምኽንያት ምጽባብ ገራዚቶ ይደምያ፡ ዝተረፋ

ብኻልእ ምኽንያታት ንኣብነት ንጾታዊ ስምዒት ዘይምድላው፡

ግንከ ፍርሒን ናይ ምሽምቓቕ ስምዒትን ስለ ዝነበረን እየን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ርሕሚ ክፍተት ክጸብብን ልፋጫዊ

መምብራና ክነቕጽን ክደምዩ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ጨዳዳት ኣብ ናይ

ርሕሚ ክፍተት ክፍጠሩን ይኽእሉ፣ ቀዳማይ ጾታዊ ርክብ ይኹን

ወይ ኣይኹን ብዘየገድስ።

Page 13: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

13

Page 14: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

14

ሓንቲ ሰብ ብሽግለታት እንተዘዊራ ወይ ፈረስ እንተሰሪራ

ገራዚቶ ክጭደድ ይኽእል’ዶ?ኣይፋልን፣ እቲ ዝጭደድ ሓደ መምብራና ስለ ዘይኮነ፡ ገራዚቶ

ብኣካላዊ ንጥፈታት ኣይጽሎን እዩ።

”ምፍራስ ኣካለ-ድንግልና” እንታይ ማለት እዩ?ዓቐን ቁመት ናይ መትሎኸ ነዚ ይጸልዎ’ዶ?ካብ ሸፋኒ መምብራና ኣሎ ዝብል ብሂልን ዘይምርድዳእን

ዝተበገሰ ”ምፍራስ ድንግልና ” ዝብል ቅጽል ወይ ተመሳሳሊ

ቃላት ንጥቐም ኢና። ዝበዝሕ ግዜ ማለትና ሓንቲ ጓል ባዕላ

ወይ ብጾታዊ ርክብ ምስ መጻምድታ ኣብ ርሕማ ገለ ነገር ኣእትያ

ማለት እዩ። ዘሎ ገራዚቶ እንበር ኣብ ርሕሚ መትሎ ወይ ገለ

ካልእ ነገር ምስ ኣእተኻ ዝጭደድ መምብራና ኣይኮነን። ስለዚ

እዩ ዓቐን ቁመት መትሎ ኣገዳስነት ዘይብሉ።

Page 15: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

15

Page 16: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

16

ኣብ ርሕሚ ገለ ከተእትዊ ፈቲንኪ እንተ ዘይኪኢልኪ ገራዚቶ

ዕንቕፋት ድዩ ኣይኮነን ብቐሊል መርመራ ማህጸን ክትፈልጢ

ትኽእሊ።

ድንግልና- እንታይ ማለት እዩ?ድንግልና ዝብል ዘረባ ምስ ቀዳማይ ግዜ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም

ዝተኣሳሰረ እዩ፣ ንወዲ ከምኡ እውን ንጓል። እቶም ዝበዝሑ ምስ

ርሕማዊ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ወይ ዘይምፍጻም ዝተዛመደ

እዩ ኢሎም ይሓስቡ። ኣር ኤፍ ኤስ ኡ ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ

ድንግልና ኣይዛረብን እዩ ምኽንያቱ ንብሂልን ርድኢትን ዝምግብ

ዘይንጹር ብዝያዳ ንጾታዊ ርክብ ደቂንስትዮ ዝጸሉ ኣምር

ስለዝኾነ። ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ቀዳማይ ጾታዊ ርክብን ክህልዉ

ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ይዛረብ።

Page 17: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

17

Page 18: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

18

ኣምር ”ድንግልና” ዝበዝሕ ግዜ ምስ ተራኽቦ ኣንጻር ጾታ፣ ጾታዊ

ርክብ ኣብ ሞንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ዝተኣሳሰረ

እዩ (መትሎ ኣብ ርሕሚ ማለት እዩ) ። ብተወሳኺ ኣንጻር ቃል

ድንግልና፡ ናይ ገለ ነገር ገበን እዩ፡ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ገበን

ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ ድንግል ድየ ኣይኮንኩን ብኸመይ ይፈልጥ? ዝብሉ ሕቶታት ናብ ሳጹን ኣርአፍአስዩ ይመጹ እዮም። መልሲ

ባዕልኺ ጥራይ ኢኺ ክትፈልጥዮ ትኽእሊ። ሰባት ኣየኖት

ጾታዊ ንጥፈታት ከም ቀዳማይ ጾታዊ ርክብ ይሕሰብ ንዝብሉ

ኣርእስታት ዝተፈላለየ ርድኢታት ኣለዎም። ገለ ገለ ንርሕማዊ

ጾታዊ ርክብ ጥራይ ክሓጽርዎ ከሎዉ ካልኦት ግና ተወሰኽቲ

ነገራት’ውን ይቖጽርሉ እዮም።

Page 19: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

19

ጾታዊ ርክብ ወይ ካልኦት ጾታዊ ንጥፈታት እንተፈጺመ

ክርአ ወይ ክድህሰስ ይኽእል’ዶ?ኣይፋሉን፣ ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ካልእ ርሕሚ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ

ወይ ኣይፈጸመትን ክርኢ ኣይክእልን እዩ። ናይ ማህጸን ኪኢላ

ወይ’ውን መጻምድትኺ ርሕማዊ፣ ኣፋዊ፣ መሃንቱሳዊ ወይ’ውን

ምትንኻፋዊ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸምኪ ክፈልጥ ኣይክእልን

እዩ።

ካልእ ዝኾነ ሰብ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸምኪ ክርኢ ወይ

ክድህስስ ኣይክእልን እዩ።

ገራዚቶ ክስፈ ይኽእል’ዶ?ገለ ገለ ደቂንስትዮ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ከም ዘይፈጸማ

ንምውሓስ ምስ ምሉእ ኣካለ-ድንግልና ክጸንሓ ኣለወን ዝብል

ጠለብ ይነብራ። ስለዚ እየን ሓደ ሓደ ደቂንስትዮ ንክደምያ ኢለን

Page 20: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

20

ንገራዚቶ ጠሚረን ክሰፍይኦ ዝመርጻ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ

ተግባራት ዘይርጉጽ ውጽኢት ስለ ዘለዎም ዘይልሙዳት

እዮም(ነዚ ዝገብራ ገለ ገለ ክሊኒካት እንተሃለዋ እኳ ክብራት

ኮይነን ምድማይ ከውሕሳ’ውን ኣይክእላን እየን)። ኣብ ክንድኡ

ዝበዝሕ ግዜ ሓንቲ ሰብ ካብ ”ዘይመጥባሕታዊ ፍወሳ” ሓገዝ

ክትረክብ ትኽእል። እዚ ምስ ኪኢላ ማህጸን፣ ኣማኻሪ ወይ

መሕረሲት ነርስ ብዛዕባ ሻቕሎትኪ ብምዝርራብ እዩ ዝካየድ።

መጥባሕቲ ክትገብር እንተወሲና፣ እዚ ኣዝዩ ዘይልሙድ ስጉምቲ

እዩ፣ ጽምዲ ስፍየት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎድኒ ገራዚቶ ይግበረላ።

እቲ ስፍየት ብኻልእ ሰብ መታን ከይርአ ቕድሚ መርዓ ተበሊዑ

ንክጠፍእ ግዜ ክረክብ ኣለዎ። ኣብኡ ዘይነበረ ሓድሽ መምብራና

ምልቓብ ግና ኣይከኣልን እዩ። ሓካይም ገራዚቶ ተመጣጢ ስለ

ዝኾነ ዝበዝሕ ግዜ ከም ”ኣብ ጠስሚ ምስፋይ” እዩ ይብሉ።

ስፍየት ሳሕቲ ጥራይ እዩ ንምድማይ ዝጸልዎ፣ እታ ጓል ኣንስተይቲ

Page 21: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

21

ቀቅድሚ መርዓ ናይ ማህጸን መርመራ ክትገብር እንተ ተገዲዳ

ድማ ክርአ ይኽእል እዩ። ካብ ሕክምና ኣብ ትወጻሉ ግዜ እቲ

ስፍየት ብቕጽበት ክሞልቕ̀ ውን ይኽእል እዩ።

እዚ መጥባሕቲ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ኣካላዊ ሓገዝ ዝያዳ

ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ኣለዎ፣ ምድማይ ግና ከውሕስ ኣይክእልን።

ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ከይትቕጻዕ እንተፈሪሓ እንታይ

ክትገብር ትኽእል?

ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ ንኣማኻሪ ቤት ትምህርቲ፣ ነርስ

ቤት ትምህርቲ ወይ መወከሲ ክፍሊ መንእሰያት፣ ማሕበራዊ

ኣገልግሎት ወይ ኪኢላ ማህጸን ምውካስ ይከኣል። ንዝያዳ

ኣፍልጦ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መወከሲ ክፍሊ መንእሰያት

ኣንብቢ፣

www.umo.se, www.origostockholm.se ወይ

Page 22: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

22

ንምፍርራህ ወይ ዓመጽ እንተተቓሊዕኪ ወይ ሓደጋ ናይ

ምቕላዕ እንተኣሎ ናብ መስመር ናጻነት ደቒ ኣንስትዮ፣ ሃገራዊ

ደገፍ ብቴለፎን፣ ብቑጽሪ ቴለፎን (020-50 50 50) ደውሊ።

ሓንቲ ሰብ ንጾታዊ ዓመጽ እንተተቓሊዓ ኣብ ገራዚቶ ክርአ

ይኽእል’ዶ?ንጾታዊ ዓመጽ እንተተቓሊዓ ክርአ ዝኽእል ማህሰይቲ ኣብ

ርሕሚ ወይ ማሃንቱስ ክገብር ይኽእል፣ ዓማጺ ንምርካብ

ዝሕግዙ ኣሰራት’ውን ክርከቡ ይኽእሉ። ስለዚ እዩ ድሕሪ ክስተት

ብዝቐልጠፈ ናብ ክንክን ሓኪም ምኻድ ዘድሊ። ዝተመዝገቡ

ማህሰይትታትን ዝተወስዱ መርመራታትን ከም ምስክር ከገልግሉ

ይኽእሉ። ነቲ ዘጋጠመ ነገር ንምእላይ ዝርርብ ቕልውላውን

ደገፍን ንምርካብ ምስ ካልእ ሰብ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ።

መስመር ናጻነት ደቒ ኣንስትዮ (020-50 50 50) ንምፍርራህን

ዓመጽን ዝተቓልዓ ሃገራዊ ደገፍ ብቴለፎን እዩ። ዕስራን ኣርባዕተን

Page 23: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

23

ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክፉት ኮይኑ ካበየናይ ክፋል ሽወደን ደዊልኪ

ብዘየገድስ ናጻ፣ ዘይክፈሎ፣ ደወል እዩ።

Page 24: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

24

Page 25: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

25

Page 26: ገራዚቶ - RFSU

ኣርአፍአስዩ (RFSU) ገራዚቶ

26

Page 27: ገራዚቶ - RFSU

ጽሑፍ ኣርአፍአስዩምርግጋጽ ጭብጥታት ሌና ማርዮንስን ኦሳ ኢነርቪክንውጥንን ስእልን ኤቫ ፋልስትሮም ኣርአፍአስዩሕትመት Brandfactory AB 2019ISBN 978-91-984936-1-0

ንሂወት ደቒ ሰባት ንምቕያርን ንምምሕያሽን ኩነታት ምፍጣር ካብ ኣብ 1933 ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ዕላማ ናይ ኣርአፍአስዩ እዩ። ኣርአፍአስዩ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዘይብሉን ዕላማኡ ድማ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኰሰን ክፉት ኣጠማምታ ማሕበራዊ-ህይወትን ጾታዊ ሕቶታትን ንምዝርጋሕ ዝነጥፍ ፍጹም ውዳበ እዩ። ኣርአፍአስዩ ብመገዲ ጾታዊ መብርሂታት፣ ትምህርትታትን ምምዕባል ርእይቶታትን ኣቢሉ ኣፈላላይ ከወግድ ፣ ፍልጠትን ጾታዊ ጥዕናን ኣብ ሽወደን ከምኡ እውን ኣብ ኣህጉር ከዕቢ ይደሊ። ኣርአፍአስዩ ካብ ናጻነት ከም ዝደለኻዮ ምዃን፣ ናጻነት ምምራጽ፣ ናጻነት ምድሳት ዝተበገሰ ናጻን ፍትሓውን ኣረኣእያ ኣብ ጾታዊ ጉዳያት ኣለዎ። ካብ ኣርአፍአስዩ ኣቕሓ እንተገዚእካ፣ ወዲ ማሕበር እንተኾንካ፣ ብሓባር እንተሰሪሕካ ወይ እንተደጊፍካ ንዝቕጽል ምቕያር ሂወት ደቂ ሰባት ትሕግዝ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ኣርአፍአስዩ ናይ ማሕበር ውዳበ እዩ። ወዲ ማሕበር ክትከውን ትደሊ’ዶ?ኣብ www.rfsu.se/medlem ኣመልክት። ብዛዕባ ስርሓት ኣርአፍአስዩ ዝያዳ ኣብ www.rfsu.se ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

Page 28: ገራዚቶ - RFSU

RFSU | Box 4331 | 102 67 STOCKHOLM | [email protected] | www.rfsu.se ዋ

ጋ 1

0፦ ገራዚቶሕቶታት፡ መልሲን ብሂልን

ብዛዕባ ኣካለ-ድንግልናን ድንግልናንTi

grin

ja